Thursday , April 25 2024
Foto: Gorm Kallestad / NTB scanpix / TT

ኖርወይ፡ ሓምሽተ ሰባት ብ ፈተነ ቅትለት ተኸሲሶም። 

ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ስቶቭነር ኣብ ክልተ ሰባት ፈተነ ቕትለት ዝፈጸሙ ብጠቕላላ ሓሙሽተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ። 

ሓደ ካብዞም ግዳያት ብስሕለት ብዝወረዶ ከቢድ መቚሰልቲ ኣብ ሆስፒታል ክእለ እንከሎ እቲ ካልኣይ ግና ፍዂስ ዝበለ መውጋእቲ ጥራይ ስለዘጋጠሞ ኣብ ክፍሊ ህጹጽ ሓደጋ ፍጡን ሕክምና ከም እተገብረሉ ዝፍለጥ እዩ። ዝሓለፈ ዓርቢ ወዲ 17 ዓመት ኮተቴ ብቐዳም ድማ ካልእ ሰብ ክተሓዙ እንከለዉ ትማሊ ድማ ሰለስተ ኮተቴ ብጠቕላላ ሓሙሽተ ኮተቴ ምስዚ ፈተነ ቅትለት ብዝተሓሕዝ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮም ምህላዎም TV 2 ጸብጺባ’ላ። 

ጠበቓ ፖሊስ ካሪ ኪርኮርን ን TV 2 ኣብ ዝሃቦ ሓበሪታ እዞም ኮተቴ ነዚ ገበን ንምፍጻም ስሕለት ከም እተጠቕሙን ፖሊስ ምስዚ ገበን እተተሓሓዙ ኣገደስቲ ነገራት ረኺቦም ምህላዎምን ወሲኹ ገሊጹ’ሎ። 

“እዚ ገበን ስለምንታይ ፈጺሞሞ ንምግላጽ ግዜኡ እኳ እንተዘይኣኸለ እዞም ሰባት ፈጺሞም ዘይፋለጡ ዘይምንባሮም ግና ከነጣልል ክኢልና ኣለና” ኢሉ’ሎ—ኪርኮም።

 

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com