Thursday , March 28 2024

ኖርወይ፡ ሓደ ዕሽሪት ተመሃሮ ሕማም ዝተዛብዐ ኣመጋግባ ከም ዘማዕበሉ ሓደ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ።

ኣብ ኖርወይ፡ ካብ ዓሰርተ ተመሃሮ እቲ ሓደ ብ ዝንቡዕ ልማድ ኣመጋግባ ከም ዝሳቐ፡ ሓደ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ። ብዘይካዚ፡ 16–19 ካብ ዝዕድሜአን ተመሃሮ፡ እተን ሓደ ሲሶ ምስ መግቢን ኣመጋግባን እተተሓሓዘ ዓበይቲ ሽግራት ከም ዘለወን፡ ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ንንባብ ኣብቂዓ’ላ።

“ምዝባዕ ኣመጋግባ ከም ሽግር ተተኣታዩ ምህላዉ መጽናዕቲና ኣመልኪቱ’ሎ። ግደ ሓቂ እቶ ነዚ ዘመልክቱ ኣሃዛት ዘሰንብዱ እዮም” ክትብል ኣብ ክፍሊ መጽናዕቲ ምዝባዕ ኣመጋግባ ዞባታት እትሰርሕ ገዲም ተመርማሪት ካሚላ ሊንድቫል፡ ነታ ጋዜጣ ቃል ሂባ’ላ። እዚ መጽናዕቲ ብ ዩኒቨርሲቲ ኦስሎ እዩ ተኻዪዱ።

ብመሰረት እዚ መጽናዕቲ፡ ሕማም ሽወሃት ኣልቦነት (ኣኖረክሺያ) ካብቲ ቅድሚ ዕስራ ዓመት ዝነበሮ ብሸውዓተ ዕጽፊ ዛዪዱ’ሎ። ሓደ ካብ ጠንቂታት እዚ ተርእዮ፡ ማሕበራዊ ሚድያ እዩ ዝበለ እቲ መጽናዕቲ፡ ብፍላይ መንእሰያት ንኣካላተን ምስ ካልኦት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ቀጢንን ለይለይን ስእሊታት ዝልጥፋ ካልኦት ብምውድዳር፡ ጽልኣት መግቢ ከሕድራን ክሓማን ይረኣያ ምህላወን ወሲኹ ኣረዲኡ። እዚ መጽናዕቲ ኣብ ሕዳር 2020 ከምኡውን ግንቦት  2021 ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ልዕሊ 1,500 መንእሰያት ከም እተሳተፉዎ ኖርወይ ቱደይ ጸብጺባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com