Thursday , April 25 2024
Foto: Torstein Bøe / NTB scanpix / TT / kod 20520

ኖርወይ፡ መጠን ወለድ ብናህሪ ክውስኽ እዩ ዝብል ትጽቢት ኣሎ።

ባንክ ኖርገስ ኣብዚ ዓመት 4% ወሰኽ ወለድ ክገብር ከም ዝኽእል ዋና ክኢላ ስነቚጠባ DNB’s ሸርስቲ ሆግላንድ Kjersti ገሊጻ።

መንግስቲ ዝለዓለ መጠን ዝቕባበ መታን ከይክሰት ስጥም ዝበለ ባጀት ከም ዝጥቀም ሚኒስተር ፋይናንስ ቲርጊቭ ስላግስቮልድ ቬደም ኣብ ቀረባ እዋን ኣንፈታት ሂቡ ኔሩ እዩ።

መንግስቲ ከምዚ ዝበለ መጠንቀቕታታት ይወስድ ብምህላዉ ከም እትንእዶ ሆግላንድ ምስ ጋዜጣ ዳገንስ ኔሪንስሊቭ ኣብ ዝገበረቶ ጻንሒት ገሊጻ’ላ።

እንተኾነ ግና ካብቲ ዝተገመት ንላዕሊ ምውሳኽ ወለድ ምህላዉ ዘይተርፍ እዩ ዝብል እምነት እዩ ዘለዋ። ኣብ ታሕሳስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ውጥን ወሰኽ ወለድ ባንክ ኖርገስ 2022 ኣብ ከባቢ 3% ዘመልክት እዩ ኔሩ ። እንተኾነ ግና ሆግላንድ ሎሚ ዓመት 4% መጠን ወለድ ክህሉ ዝመጽእ ዓመት ድማ 2% ክኸውን እዩ ዝብል እምነታ ገሊጻ’ላ።

“ኣብ ሳመር ናይ ዝመጽእ ዓመት 2% ወሰኽ ክህሉ እዩ ዝብል ግምትና ምኽያታዊ እዩ ኢላ’ላ።

ዋና ተንታኒ ቊተባ ሃንድለስባንክ ማርዬስ ጎንሾልት ሆቭ ብወገኑ ነዚ 4% መጠን ወሰኽ ወለድ ክህሉ እዩ ዝብል ትንተና ከም ዝቕበሎ ን ኢ 24 ኣብ ኣሃቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። ኣብ 2022 ናይ 5% ወሰኽ ውለድ ክህሉ ዘሎ ዕድል ልዕሊ 50% እዩ ክብል ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com