Thursday , April 25 2024
Foto: Terje Pedersen / NTB scanpix / TT / kod 20520

ኖርወይ፡ ንስደተኛታት ዩክሬይን ኣስታት 8,000 ናይ ህጹጽ እዋን መጽለሊ ይድለ ኣሎ።

ቊጽሪ ሓተትቲ ዕቚባ ዩክሬይን ወሲኹሉ ኣብ ዘለወሉ ኣብዚ ሕጂ እዋን ንስደተኛታት ዩክሬይን ኣስታት 8,000 ናይ ህጹጽ እዋን መጽለሊ ይድለ ከም ዘሎ ዳይረክቶሬት ኢሚግሬሽን ኖርወይ ኣፍሊጡ።

“ምስቶም ኣቐዲምና መቓን ስምምዕ ዝጸንሓና ኣቕረብቲ ኣብ ምርድዳእ በጺሕና ኣለና” ክብል እቲ ዳይረክቶሬይት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብሪሁ’ሎ።

እቲ መጽለሊ ተዳልዩ ንጠቕሚ ክፉት ክሳብ ዝኸውን ገለ ግዜያት ከድሊ እዩ ዝበለ እቲ ዳይረክቶረይት ክሳብ 25 ለካቲት ብዛዕባ ዝነበረ ኩነታት ሓተትቲ ዕቚባ ሓፈሻዊ ገምጋም ኣቕሪቡ’ሎ። ካብ ሽዑ ንደሓር 957 ሓተትቲ ዕቚባ ከም እተመዝገቡ እውን ኣፍሊጡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com