Saturday , April 20 2024
Foto: Tor Aage Hansen / NTB scanpix / SCANPIX / kod 20520

ኖርወይ፡ ኣብ ወርሓ ሚያዝያ ብምኽንያት ሓደጋ ትራፊክ 12 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም።

ኣብ ወርሓ ሚያዝያ፡ ኣብ ኖርወይ፡ ብምኽንያት ሓደጋ ትራፊክ 12 ሰባት ህይወቶም ምስኣኖም፡ ምምሕዳር ህዝባዊ ጎደናታት ኖርወይ ኣፍሊጡ። እዚ፡ ኣብ ዝሓለፋ ሰለስተ ኣዋርሕ ብጠቕላላ ምስ ዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ዝዳረግ ኣሃዝ ምዃኑ እቲ በዓልመዚ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።

“ኣብ ውሕስነት ትራፊክ ዝኸፍአት ወርሒ እያ ኔራ” ክብል ሓላፊ በዓልመዚ ምምሕዳር ህዝባዊ ጎደናታት ጒሮ ረኔስ ገሊጹ’ሎ። ኣብዚ ዓመት፡ ክሳብ ሕጂ 25 ሰባት ኣብ ጽርግያታት ኖርወይ ምሟቶምን፡ እዚ ድማ ምስ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ኣሃዝ ማለት 14 እንክወዳደር ሰፊሕ ጋግ ከም ዘርኢ እቲ ኣሃዝ ወሲኹ ኣመልኪቱ።   ናይዚ ዓመት ኣሃዝ ድሕሪ 2016 እቲ ዝለዓለ ምዃኑን፡ ኣብቲ ዓመት ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ጥራይ 31 ሰባት ህይወቶም ምስኣኖምን ዝፍለጥ እዩ። ኣብዚ ሓደጋ መጠን ሞት ሰብኡት ምስ ናይ ደቀንስትዮ እንክወዳደር ኣዝዩ ዝበዝሐ ምዃኑን፣ ቆልዑ ድማ ኣብዚ ሓደጋ ከም ዘይተመዝገቡን ኖርወይ ቱደይ ጸብጺባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com