Friday , April 19 2024
adam-wilson-6UIonphZA5o-unsplash.jpg

ኖርወይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ መስተ ብዝተኣሳሰር 371 ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ።

ለበዳ ኮሮና፡ ኣብ ኖርወይ ዝኽሰት ምስ መስተ ዝተሓሓዝ ምፕት ንክውስኽ ምኽንያት ምዃኑ ተገሊጹ።  ኣብ 2020 ከምኡ’ውን 2021፡ ብጠቕላላ ኣብ ኖርወይ 758 ምስ ኣልኮላዊ መስተ ዝተተሓሓዘ ሞት ከም ዘጋጠመ፡ እዚ ድማ ምስቲ ኣብ 2018 ከምኡ’ውን 2019 ምስ ዘጋጠመ መጠነ ሞት (650) እንክወዳደር ወሰኽ ምርኣዩ ኖርወይ ቱደይ ጸብጺባ። ዓሚ ጥራይ፡ 371 ምስ ኣልኮላዊ መስተ እተተሓሓዙ ሕማማት ምምዝጋቦም፡ ካብ ትካል ህዝባዊ ጥዕና ኖርወይ እተረኽቡ ኣሃዛት የመልክቱ። ኣብ ትካል ህዝባዊ ጥዕና ኖርወይ ገዲም ተመራማሪ፡ ፕሮፌሰር ዮርገን ጒስታቭ ብራምነስ ን P4 ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ለበዳ ኮሮና ኣብ ኖርወይ ወልፊ መስተ ክውስኽ ኣበርክቶ ምግባሩ ኣመልኪቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com