Thursday , March 28 2024
Foto: Trond Reidar Teigen / NTB scanpix / TT / kod 20520

ኖርወይ፡ ዋጋ ድዂዒ መሊሱ ወሲኹ።

ኣብ ብርክት ዝበለ ከባቢታት ኖርወይ ዋጋ ድዂዒ ንኪሎ ብ 10 ክሮና ወሲኹ ተባሂሉ። ብምኽንያት ኣብ ዩክሬይን ዝግበር ዘሎ ኲናት ዋሕዲ ጥረ ነገራት ከጋጥም ከም ዝኽእል ያራ ኣጠንቂቑ’ሎ።

በዚ ድማ ያራ ዋጋ ፍርያቱ ካብ ትማል ሰኑይ ኣትሒዙ ዋጎም ከም ዝውስኹ ጌሩ’ሎ።

“ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ዋጋታት ኣብ ኣውሮጳ ክውስኽ ብምጽንሑ ንሕና’ውን ወሰኽ ክንገብር ተገዲድና ኣለና” ክብል ኣብ ያራ ኣካያዲ ዕድጊ ትሮምቦ ኣንደርሽ ን ጋዜጣ ኒሽዬነን ኣብ ዝህቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ኣብ ብርክት ዝበላ ከባቢታት እታ ሃገር ድዂዒ ናይትሮጅን ዋግኡ ኣብ ኪሎ ናይ 10 ክሮና ወሰኽ ኣርእዩ’ሎ። መከፋፈልቲ ድዂዒ ዝኾነ ፈለስክዮፐት እውን ድሕሪ ያራ ምውሳኽ ዋጋታት ምክያዱ ተፈሊጡ።

“ዝበዝሑ ጥረ ነገራትን ግብኣታትን ዋጋታቶምን ወሲኹ’ሎ። ብሰንኪቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሩስያ ዝተነበረ እገዳታት ኣብታ ሃገር ምስ ዝርከቡ መሻርኽትና ክንተዓዳደግ ኣይከኣልናን” ክብል ነታ ጋዜጣ ሓቢሩ’ሎ።

መጻኢ ንትንበያ ዘሸግር ብምዃኑን ዘለዉ ብድሆታት እናዓበዩ ይመጹ ብምህላዎምን ዋጋታት ክውስኽ ድዩ ካልእ ንምዝራብ ኣጸጋሚ ከም ዝኸውን ያራ ወሲኹ ኣመልኪቱ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com