Saturday , April 20 2024

ኖርወይ፡ ድሕሪ ለበዳ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝበዝሑ ገያሾ ተመዝጊቡ።

ኖርወጅያን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ 2.2 ሚልዮን ገያሾ ምምዝጋባ፡ እዚ ድማ ድሕሪ ለበዳ እቲ ዝበዝሐ ኣሃዝ ምዃኑ ተፈሊጡ። ወርሒ ሓምለ ኣብ ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣውሮጳ ዕግርግርን ኣድማን ዝተራእየላ ወርሒ ምንባራ ዝፍለጥ እዩ።

“እዚኣ ንኖርዌጅያን ጽብቒ ወቕቲ እያ ኔራ፡… ኣብ ኣውሮጳ ንትራፊክ ኣየር ዓበይቲ ብድሆታት እናሃለዉ፡ በረራታት ኣካዪድና ኢና” ክብል ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኖርዌጅያን ጊር ካርልሰን ገሊጹ’ሎ።

ኣብ ወርሒ ሓምለ 95% ካብ መናብር በረራታት ኖርዌጃን ከም እተሸጡ፡ እዚ ድማ ኣብ ብዙሓት ዓመታት ካብ እተራእዩ ዝለዓለ ኣሃዝ ምዃኑ ኖርወይ ቱደይ ኣመልኪታ። ኣብ ወርሓ ሓምለ፡ ብጠቕላላ 2,206,424 ገያሾ ከም እተጓዕዙ፡ እዚ ድማ ምስ ተመሳሳሊ ወርሒ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ማለት 695,830 ገያሾ እንክወዳደር ዘገርም ዕቤት ምዃኑ፡ ኣብቲ ጸብጻብ ተገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ውሑድ ቊጽሪ ገያሾ ብሰንኪ ለበዳ እተኸስተ እዩ ኔሩ። ኣብ ወርሓ ሓምለ ዋና ተወዳዳሪ፡ ማለት መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ብ ኣድማ ስራሕተኛታት እተናወጸላ ወርሒ እያ ኔራ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ብርክት ዝበላ መዓርፎ ነፈርቲ ኣውሮጳ፡ ብሰንኪ ለበዳ ዝነበረ ምጒዳል ሰራሕተኛታት ዝፈጠሮ ብድሆ፡ ናብዚ ሽግር ከም ዝመርሐ እቲ ዜና ወሲኹ ኣመልኪቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com