Thursday , April 25 2024
Foto: Terje Pedersen / NTB

ኖርወይ፥ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ኣዝዩ ነክዩ ተባሂሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት፡ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ኖርወይ፡ ካብቲ ኣብ ታሕሳስ ዝነበረ ብ 0.4 % ብምጒዳል፡ 2.9% ምብጽሑ፥ እዚ ድማ ኣብ ዝሓለፈ 14 ካብ እተራእዩ ኣሃዛት፡ ዝተሓተ ምዃኑ ስታቲስቲክስ ኖርወይ ትማል ረቡዕ ኣመልኪቱ። ካብ ታሕሳስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት፡ ክሳብ ወርሓ መጋቢት ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት፡ 10,000 ስራሕ ዘይብሎም ሰባት ከም እተመዝገቡ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ እዚ ድሕሪ 2008 ዝተረኽበ ዝተሓተ ኣሃዝ ምዃኑ ኣመልኪቱ። “ካብ ሳመር ኣትሒዙ፡ ሽቕለት ኣልቦነት ብናህሪ ክጐድል ተራእዩ’ሎ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ ዕዳጋ ሽቕለት ልዑል ንጥፈት ዘሎ በዚ እዩ” ክብል ኣካያዲ እቲ ክፍሊ ቶንየ ኮበር ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com