Thursday , April 25 2024

ኖርወጃዊ ሰብኣይ ንወዱ ቀቲሉ

ኖርወይ TT-NTB

ዓርቢ ምሸት ሓደ 40 ዝዕድመኡ ሰብኣይን ወዲ 13 ዓመት ወዱን ኣብቲ ኣብ ኤልቨሩም ምስራቕ ኖርወይ ዚርከብ መንበሪ ቤቱ ሞይቶም ተረኺቦም። ፖሊስ ኖርወይ ብመሰረት እቲ ኣቐዲሞም ዝገበሩዎ ምርመራ እቲ ኣቦ ነብሱ ምስ ቀተለ ንወዱ እውን ከም ዝቐተሎ ገሚቶም። ሰሉስ ድማ እቲ ናይ ምርመራ ውጽኢት፡ ክልቲኣቶም ብናይ ጥይት መቝሰልቲ ከም ዝሞቱ ኣረጋጊጹ።

እቶም ፖላይስ ነቲ መሳርያ ወሲዶም ምስ መርመሩዎ ብስም ናይቲ ኣቦ ከም እተመዝገበ ፈሊጦም። ብድሕርዚ ነቲ ምኽንያት ኩነታት ዚገልጽ ደብዳበ ኣብቲ ገዛ ተረኺቡ።

እዚ ፍጻመ’ዚ ንኤልቨሩም ኣናዊጹዋ፡ እታ ከተማ 20 ሽሕ ተቐማጦ ዘለዋ ኣብቲ ጠረፍ ናይቲ ኮምዩን እትርከብ እያ።

ነቶም ተቐማጦ፡ ብፍላይ ድማ ነቶም ናይቲ ዝሞተ ኣዕሩኽ ተምሃሮ ዘጸናንዕን ዘደልድልን ናይ ምምካት ቅልውላው ንጥፈት ተኻዪዱ።

ሓደ ሰብ ውላዱ ለኪም ክመውት ከሎ ብሓቂ  ብርቂ እዩ። ኩሉ ሰብ ድማ ከምኡ ስምዒት ዘለዎ ይመስለኒ፡ ይብል ቶርድ ኣመርሰን፡ ናይ ኤልቨሩም ሓላፊ ትምህርቲ ከምኡውን ኣባል ናይቲ ናይ ቅልውላው ንጥፈት።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com