Thursday , April 25 2024
Cimbuliuk Olga Nikolajevna prepares voting booths (AP Photo/John McConnico)

ኖርዌይ፥ ብምኽንያት ለበዳ: ውጽኢት ምርጫ ክደናጐ ይኽእል እዩ ተባሂሉ

ብምኽንያት ለበዳ: ካርድ ምርጫ ዝቖጽሩ ዘለዉ ሰባት ኣብ መንጎ ሕድሕዶም ርሕቀቶም ክሕልዉን ኣድላዪ ዘበለ ጥንቃቐ ክገብሩን ኣለዎም። እዚ ማለት ውጽኢት ምርጫ ኖርዌይ ንኽግለጽ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ ክብል ኣብ ሚኒስትሪ ምምሕዳር ከተማን ምዝማንን ሓላፊ ክፍሊ ሲሪ ዶልቨን ገሊጹ’ሎ።

 

ነዚ ስራሕ ቅልል ዝበለ ንምግባር: ምምሕዳራት ከተማ: ሓደ መዓልቲ ኣቐድም ኣቢሎም: ናይ ምቚጻር ካርድ ስርሖም ክጅምሩ እዮም ተባሂሉ’ሎ።

 

ኣብ ነቚጣታት ምርጫ: ዘድሊ ዘበለ ጥንቃቐታታ ከም እተገብረን ብርክት ዝበሉ ኖርዌጃውን ኣቐድም ኣቢሎም ምምራጾምን ድማ ተመልኪቱ።

 

ቅድሚ ምርጫን ኣብ እዋን ምርጫን: ኣብ ነቚጣታት ምርጫ: ብርክት ዝበለ ሰልፊ ከም ዝህሉ ብምግማት: ምምሕዳራት ከተማ: ግቡእ ምድላዋት ጌሮም ምህላዎም ተመልኪቱ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com