Friday , April 19 2024
Foto: Trond Reidar Teigen / NTB scanpix / TT / kod 20520

ኖርዌጃውያን ናይ ዊንተር በዓላት ኣብ ውሽጢ ሃገር ከሕልፉ ይደልዩ።

15% ኖርዌጃውያን ጥራይ በዓላት ዊብተር ካብ ሃገር ወጻኢ ከሕልፉ ከም ዝደልዩ Response Analyze ን ፍረምቲድ ብምውካል ኣብ ዘካየዶ ሓድሽ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። ኣብ ኖርዌይን ኣውሮጳን መምርሒታት ኮቪድ ቀጺሉ እኳ እንተሃለወ 85% ኖርዌጃውያን ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮይኖም በዓላት ዊንተር ከሕልፉ ድሌት ከም ዘለዎም ገሊጾም ኣለዉ። ኣብዚ መጽናዕቲ ን 230 ሽሕ ሰባት ቃለመሕትት ከም ዘካየደ ዝገለጸ እቲ መጽናዕቲ 5% ናብ ውዕይ ዝበለ ኲነታት ኣየር ዘለዎ ቦታ ምኻድ ክመርጹ እንከለዉ 2% ዝኾኑ ድማ ናይ በረድ ምንሽርታት ንምክያፍ ናብ ጸዳፍ ቦታታት ክኸዱ ከም ዝመርጹ ኣመልኪቱ። ኣብ ዝመጹ ናይ ዊንተር በዓላት ኣብ ከተማታት ከሕልፉ ድሌት ዘለዎም ውሕድ ዝበሉ ሰባት ከም እተረኽቡ እውን እቲ መጽናዕቲ ወሲኹ ሓቢሩ። ኣብ መላእ ኖርዌይ ኲነታት ኮቪድ እናተመሓየሸ ይመጽእ እኳ እንተሎ ኣብ ካልኦት ቦታታት ዓለም ከምኡ እዩ ዘሎ ማለት ከም ዘይኮነ ኖርዌጃውያን ክፈልጡ ይግባእ ክትብል ኣብ ትካል ፍረምንቲድ ኣፈኛ ምክልኻል ጒድኣታት ተሬሳ ኒልሰን ኣተሓሳሲባ’ላ። ስለዚ ድማ እቶም በዓላት ዊንተር ካብ ኖርዌይ ወጻኢ ከሕልፉ ዝደልዩ ዘበሉ ኣብታ ዝገሹላ ሃገር ዘሎ ኲነታት ለበዳ ኣጸቢቖም ክትምርምሩ ይግባእ ክብል እቲ መጽናዕቲ ለበዋኡ ኣመሓላሊፉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com