Saturday , April 20 2024
Hussein El-alawi / Sydsvenskan / TT

አብ ከተማ ሞታላ ዝነብር ኤርትራዊ ኣደ 2 ደቁ ዝኾነት ብዓልቲ ቤቱ ይቐትል::

ኣብ ከተማ ሞታላ ነባሪት ዝኾነት ኤርትራዊት ብዓልቲ ቤቱ ዝቀተለ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወ ፖሊስ ስዊድን ካብ ሞታላ ሓቢሮም::
እዛ ብዓል ቤታ ዝቀተላ ኣደ ኣብ 31 ዝዕድሚኣ ኮይና ኣደ ክልተ ቆልዑት እያ::
እቶም ህጻናት 6 ዓመት ከምኡውን ናጽላ ናይ 8 ወርሒን ኮይኖም ኣብ ትሕቲ ሶሻል ተዓቒቦም ኣለው::
ቀታሊ ባዕሉ ሰዓት 18:31 ናብ ፖሊስ ደዊሉ ከምዝሐበረን ፖሊስ ኣብ ቦታ ፍጻመ ገበን ምስበጽሑ እታ ኣደ ሂወታ ሓሊፉ ከምዝጸንሖም ፖሊስ ሞታላ ገሊጾም።
33 ዝዕድሚኡ ብዓል ቤታ ብቅትለት ተጠርጢሩ ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓለን ንዕለት 7 ዲሰምበር ናብ ሕጊ ክቀርብ ምኻኑ ኣኽባሪት ሕጊ ብሪት-ልዊስ ቪክሉንድ ገሊጻ::

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com