Tuesday , April 23 2024
Revend Shexo/Sveriges Radio/Fredrik Sandberg/TT

ኡልፍ ክሪስተርሰን ን ምቅጻል ቊርኣን ምኽንያት ብምግባር ምስ ወኪላት እላማውያን ውድባት ተዘራሪቡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኡልፍ ክሪስተርሰን፡ ዝሓለፈ ሓሙስ ምሸት ምስ ወኪላት እላማውያን ውድባት ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ተዘራሪቡ። ሕሉፍ የማናዊ ፖለቲከኛ ራሙስ ፓሉዳን መጽሓፍ ቊርኣን ምቅጻሉ ስዒቡ፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣስላም ቊጥዐ ምልዕዓሉ ዝፍለጥ እዩ። ክሪተርሰን ምስዚ ድሕረ ባይታ ብምትሕሓዝ ነዚ ምርኻብ ምፍጻሙ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ። ሓደ ካብዞም ተሳተፍቲ እዚ ኣኼባ ኢማም ሳላሓዲን ባራካት፡ ኣብ ፊንላንድ ምሉእ መሰል ሓሳብካ ምግላጽ እኳ እንተሃለወ እዚ መሰል ንምቅጻል መጽሓፍ ቊርኣን ከም ዘየጠቓልል ብምምልካት፡ ፊንላንድ ኣብዚ ጒዳይ ኣብነታዊት ሃገር ምዃና ኣብቲ ርክብ ጠቒሱ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com