Saturday , April 20 2024

ኡጋንዳዊ ኣትለት: ኣብ ጃፓን: ደሃዩ ጠፊኡ

20 ዓመት ዝዕድሜኡ ኡጋንዳዊ ሰፍሳፋይ ልዑል ክብደት: ጁልዬስ ስሴኪቶሌኮ: ኣብ ጃፓን ደሃዩ ከም ዘጥፍአ ተገሊጹ። ንሱ ኣብ መፋርቕ ሰነ ናብ ጃፓን እኳ እንተኣተወ ኣብ መርመራ ኮቪድ-19 ከም ዘይተራእየን ደሃዩ ከም ዘይተረኽበን The New York Times ሓቢሩ።

ኣዕሪፍሉ ዝነበረ ሆቴል ባዶ ኮይኑ ከም ዝረኸብዎን ንሰብመዚ ሓቢሮም ምህላዎም እውን ገሊጾም ኣለዉ። እቲ ኣትሌት: ንዓዱ ክምለስ ከም ዘይደሊ ኣብ ሆቴሉ ኣብ ዝገደፎ ወረቐት ከም ዝገለጸ ከንቲባ: ሂሮያሱ ቺዮማትሱ: ን ኣሶሼትድ ፕረስ ገሊጹሎ።

“ብዝቐልጠፈ ክርከብ ተስፋ ንገብር: ክንደየናይ ጽቡቕ ከይህሉ” ክብል ኣፈኛ እታ ከተማ: ፉጂ ፋኮካ: ንጋዜጣ New York Times ሓቢሩ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com