Thursday , April 25 2024
(AP Photo/Ben Curtis, File)

ኡጋንዳ . . . ሓደ በጻሒ፡ ብሓርማዝ ተቐቲሉ

ኣብ ኡጋንዳ፡ ናብ መካነ እንስሳ ዘገዳም ምብጻሕ ዝፍጽም ዝነበረ ቱሪስት፡ ካብ መኪናኡ ብምውራዱ ብሓርማዝ ተረጊጹ ህይወቱ ከም ዝሓለፈ ተገሊጹ።

እዚ ዜጋ ናይ ስዑዲ ዓረብ ዝኾነ በጻሓይ፡ ምስ ብጾቱ ብምዃን ኣብ ኣሩዋ ኣብ ዝርከብ መንጫዕጫዕታ ሃገራዊ ፓርክ ጸኒሖም፡ ዕረፍቲ ኣብ ዝወስዱሉ ዝነበሩ እዋን እዩ እቲ ድንገት ኣጓኒፍዎ።

ዕስለ ሓራምዝ፡ ናብ መዋታይን ብጾቱን ሓደጋ ምስ ወደቕዎም፡ ፋሕ ኢሎም ክሃድሙ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን ካብ መኪናኡ ኣርሒቑ ስለ እትፈልየ እቲ ሓደጋ ከም ዘጋጠሞ ድማ ተገሊጹ።

ሰብመዚ እቲ ፓርክ፡ ነቲ ሓደጋ ድሕሪ ምርግጋጽ፡ ተወሳኺ መርመራን ከምዚ ዝበለ ሓደጋ ካልእ እዋን ከይድገም ዝሕግዝ ስጒምቲታት ኣብ ምውሳድ ምህላዎም ገሊጾም ኣለዉ።

ኣብ ሃገራዊ ፓርክታት ኡጋንዳ፡ ሓደጋታት ከጋጥም እዚ ፋልማዩ ከም ዘይኮነ ጸብጻባት የመልክቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com