Wednesday , April 24 2024

ኡፕሳላ ብጾታዊ ትንኮያ ትሕመስ።

ኣብ ውሽጢ ክልተ ሳምንቲ ጥራይ ኣብ ኡፕሳላ ዓሰርተ ኣንስቲ ብሓደ ሰብኣይ ጾታዊ ትንኮያ ከም ዝበጽሐን ተገሊጹ። እዚ መጥቃዕቲታት ሓደ ሰማያዊ ናይ ሕክምና መወዘቢ ዝወዲ ሰብኣይ ዝፈጸሞ እዩ ዝብል ጥርጣረ ከም ዘለዎም ፖሊስ ገሊጾም ኣለዉ።

ብሰንበት ሰለስተ ኣንስቲ ኣብ ናይ ሰዓታት ፍልልይ ጾታዊ መጥቃዕቲ ወሪዱወን። ሓደ ሰብኣይ ብድሕሪኣ ብምምጻእ ኣብ መቐመጫኣ ሒዝዋ። እዛ ሰበይቲ ኣውያት ምስ ገበረት እቲ ሰብኣይ ሃዲሙ።

ልዕሊ ሓደ ሰዓት ምስ ሓለፈ ሓንቲ ካልእ ሰበይቲ ኣብ ጎደና Tiundagatan ብእግራ እናኸደት እዚ ሰብኣይ መቐመጫኣ ብኣእዳዉ ዓትዒትዋ። ንድሕሪት ግልጽ እንተበለት ግና ሰብኣይ ሃዲሙ ተሰዊሩ ይብል መርማሪ ፖሊስ ኣፕሳላ Christopher Inval።

ሕጂ’ውን ኣብታ መዓልቲ ሰዓት 19፡30 ካልእ ጥርዓን ናብ ፖሊስ ይመጽእ። ካልእ ሰበይቲ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ከም ዝወረዳ ትሕብር። ኣብ ውሽጢ ክልተ ቕነ ጥራይ ዓሰርተ ጥርዓናት ኣትዩ። ፖሊስ ኡፕሳላ ፈጻሚ እዚ ገበን ሓደ ውልቀሰብ እዪ ኢሎም እዮም ዝኣምኑ።

እዚ ሰብኣይ ዕድሚኡ ኣብ መንጎ ዕስራን ሰላሳን ኮይኑ ቁመቱ ካብ 170 ክሳብ 175 ቼንቲሜትሮ ጸሊም በዓል ቆብዕ ወይ ናይ ስፖርት ጃኬት ዝወዲ እዩ ዝብል ኣፈናዊ መግለጺ ፖሊስ ወጺኡ’ሎ።

ፖሊስ ነዚ ሓበሬታ ብምሓዝ ዝረኣይዎ ሰባት እንተለዉ ምሕታትን ከባብያዊ ሓለዋን ተተሓሒዞሞ’ለዉ። ነዚ ሰብ እወ ርእየዮ ወይ እፈልጦ እየ ዝብል በዚ ቊጽሪ ስልኪ (11414 ) ይርከበና ትብል ሓላፊት በዓልመዚ ፖሊስ ኡፕሳላ Sanga Vukishevich።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com