Friday , April 19 2024
Adam Wrafter/SvD/TT

ኢሚግሬሽን ሽወደን ንልዕሊ 5000 ትሕቲ ዕድመ መንበሪ ፍቃድ ሂቡ።

ብመሰረት ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ሽወደንን ዌብሳይቱን ልዕሊ 11457 ትሕቲ ዕድመ ንሓድሽ ሕጊ ካልኣይ ደራጃ ብምልዓል ናይ መንበሪ ፍቓድ ሓቲቶም ካብዚኣቶም ከኣ ዛጊት 5000 ናይ መንበሪ ፍቓድ ተዋሂብዎም ኣሎ ኢሉ።

እቲ ክፍሊ ክሳብ ሕጂ 5200 ትሕቲ ዕድመ ሕቶኦም ተቐባልነት ረኺቡሎ ኢሉ።

እቲ ክፍሊ ፍርቂ ናይቲ ዝቐረብ ሕቶ ናብተን ኣብታ ሃገር ዝርከባ ኣርባዕተ ኣብያተ ፍርዲ ኢሚግሬሽን ንኽምርመር ከም ዝለኣኾ ክሳብ ሕጂ ኸኣ ገና ናይ 3500 ሰባት ሕቶታት ኣብተን ኣብያተ ፍርዲ ይረአ ምህላዉ ሓቢራ።

እቲ ቤትፍርዲ ሕቶታት ፍቓድ መንበሪ ስደተኛታት ድሕሪ ምቕባል ነቲ ጒዳይ ናይ ቤትፍርዲ ናይ መወዳእታ ውሳነ ክጽበ ይገብር።

እቲ ቤት ፍርዲ ነቲ ሕቶ ዕቚባን መንበሪ ፍቓድን ብመሰረት ሓድሽ ሕጊ ካልኣይ ደራጃ ይጽናዕ ምህላዉ ድማ ኣብሪሃ።

ኲሎም ሕቶኦም በቲ ቤትፍርዱ ዝረአ ሰባት ውሳኔ ከም ዝወሃቦም፥ 400 ጒዳዮም ካብ ካልእ በዓልመዚ ሓበሬታ ዝጠልብ ሰባት ገዲፍካ ካልኦት ኲላቶም ውሳኔ ቤትፍርዲ ክንገሮም እዩ ኢላ።

ሕቶ መንበሪ ፍቃድ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ዓሚ ካብ ባሕቲ ሓምለ ክሳብ መስከረም 30 ኢዩ ተኸፊቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com