Thursday , April 25 2024

ኢሚግሬሽን ኣዝዮም ዝተራቐቑ ትምዩናት ፓስፖርት ምርካቡን ብምግላጽ እዝዩ ጽዑቕ ምክትታል ክግበር ከም ዝግብኦ ኣጠንቂቑ።

እዚ ምትምያን ድህሪ ምፍላጡ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ሽወደን ንዂሎም ናይ ቱርክ ማሕፉዳ ሓተትቲ ዕቚባን ቦትኦምን ደጊሙ ክግምግሞ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።

በዓል-መዚ ቀረጽ ሽወደን ቱርካዊ ሰነዳት ካብ ዝሓዙ ሰባት ከምዚ ዓይነት ዝረቐቐ ናይ ምትላል ሜላ ከም ዝተዓዘበን ኣብዚ ጒዳይ ሰብመዚ ወጻኢ ምትሕብባር ከርእዩን ጸዊዑ’ሎ።

ካብ ዝሐለፈ ኣየት ጀሚሩ 400 ዝኾኑ ናይ ቱርክ ፓስፖርት ንተወሳኺ መርመራ ከም እተላእኩን ክሳብ ክንደይ ከም ዝወሰድሉ ዛጊት ከም ዘይፍልጥን ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ሽወደን ሓቢሩ’ሎ።

ካብዘን ዝተመርመራ 400 ፓስፖርቲታት እቲ ዓሰርተ ሚእታዊት ትምዩናት ኮይኖም ከም ኣተረኽቡ ኣብ ቦርድ ኢሚግሬሽን ዳይረክተር ሓተትቲ ዕቚባ Magnus Pengston ሓቢሩ።

ንሱ ወሲኹ እቲ ትምየና እዝዩ ርቕቅ ዝበለ ምዃኑንን ብኣዝዩ ምዕቡል ቴክኖሎጂ ይፈሪ ምህላዉን ገሊጹ።

እንተኾነ ግና ገለ ኣበራት እቲ ቴክኖሎጂን ዝርዝራት ጸጥታዊ ሓበሬታ እቲ በዓል ፓስፖርትን ብግቡእ ከስፍሩ ብዘይምኽኣሎም ትምዩናት ምዃኖም ክልለዩ ክኢሎም ኣለዉ።

ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ሽወደን ብዛዕባ እቲ ገበን ምትምያን ምስ ፖሊስ ወግዓዊ ርክብ ጌሩ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com