Thursday , March 28 2024
(AP Photo/Michael Gruber) XMG101

ኢራን፡ ንሓደ ፈረንሳዊ ዜጋ፡ ን8 ዓመታት ማእሰርቲ፡ ፈሪዳቶ

ሓደ ብስለላ ዝተኸሰሰ ፈርነሳዊ ዜጋ፡ ብሓደ ናይ ኢራን ቤት ፍርዲ፡ ን8 ዓመታት ማእሰርቲ ከምዝተፈረደ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቲ ጠበቕኡ፡ ነዚ መስርሕ ቤት ፍርዲ “መላገጺ” ክብል ከም ዘናሸዎ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

እቲ ቤንጃሚን ብሪየር ዝተባህለ ፈረንሳዊ ዜጋ፡ ኣብ ዓመተ 2020 ኣብቲ ንኢራንን ቱርክምኒስታንን ዘዳውብ ከባቢ ዝርከብ በረኻ ከም ቱሪስት ኮይኑ ኣብታ ሃገር ዑደት ይገብር ኣብ ዝነበረሉ እዋን እዩ ዝተኣስረ። ንሱ፡ ኣንጻር መንግስቲ ኢራን “ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ኣጋዊሑ” ብዝብል ናይ ስለላ ምኽንያት ከምዝተኸሰሰ ተፈሊጡ።

እዞም ኣንጻሩ ዝቐረቡ ናይ ስለላ ክሲታት፡ ብሰንኪ እቲ ብሪየር ስኢሉዎም ዝተባህሉ ስእሊታት ምዃኑ ሓደ ኢራናዊ ጠበቓ ኣፍሊጡ። ንሱ ኣብ ናይ ፕሮፓጋንዳታት ስራሕ ተሳቲፉ እዩ ብዝብል’ውን ንተወሳኺ 8 ኣዋርሕ ማእሰርቲ ከም ዝተፈረዶ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ጠበቕኡ ከም ዝሓበሮ እንተኾይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ብሪየር፡ ናይ መግቢ ምሕሳም ተቓውሞ ከም ዝጀመረ ተፈሊጡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com