Thursday , April 25 2024
Ibrahim Baylan Foto: Fredrik Sandberg / TT kod 10080

ኢብራሂም ባይላን፡ ካብ መዝነቱ ክሳናበት ምዃኑ ሓቢሩ

ሚኒስተር ቁጠባዊ ጉዳያት ሽወደን፡ ኢብራሂም ባይላን፡ ካብ መዝነቱ ክሳናበት ምዃኑ፡ ምስ ተለቪዥን ሽወደን ኣብ ዝገብሮ ርክብ ገሊጹ ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ኣብ ዝካየድ መስርሕ ምርጫ ንኸይሳተፍ ወሲነ ኣለኹ። ኣብ ካልእ ንጥፈታት ንኽሳተፍ፡ እዋኑ ዝኣኸለ ይመስለኒ ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ባይላን፡ ኣብቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝካየድ ጉባኤ ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትና፡ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ስቴፋን ሎቨን፡ ኣብ ዝሰናበተሉ እዋን፡ ንሱ፡  ብወግዒ ክሰናበት ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ኢብራሂም ባይላን፡ ካብ ዓመተ 2019 ጀሚሩ፡ ሚኒስተር ቁጠባዊ ጉዳያት ሽወደን ኮይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com