Wednesday , April 24 2024
A Tigrayan employee of the state-owned Ethiopian Airlines, who said he fled the country after being released on bail, poses for a portrait at an undisclosed (AP Photo) NY621

ኢትዮጵያ፥ ጃማላዊ ግፋ ተጋሩ ይቕጽል

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብዕለት 2 ሕዳር፡ ናይ ህጹጽ እዋን ካብ ዝእውጅ ንደሓር፡ ብውሕዱ 1000 ዝኾኑ ተጋሩ ተገፊፎም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ መንግስቲ ምውዓሎም ወኪል ሰብኣዊ መሰላት ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣረዲኡ።

ኣብዚ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ክጸንሕ እዩ ዝበሃል ዘሎ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን፡ ሰብ መዚ ንዝጠርጠርዎም ሰባት ብዘይፍቓድ ቤትፍርዲ ክፍትሹ ክኣስሩን ክሕይሩን ስልጣን ከም እትዋህቦም ጸብጻባት የመልክቱ።

ክሳብ ሕጂ ብውሕዱ 1000 ዝኾኑ ሰባት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ምህላዎም ጸብጻብ በጺሑና ኣሎ–ምናልባት እቲ ኣሃዝ ካብዚ ዝልዕል ክኸውን ከም ዝኽእል ዘመልክቱ ሓበሬታታት እውን ኣለዉ” ክብል ላዕለዋይ ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ’ሎ።

ኣብዞም መሐየሪ ቦታታት ዘሎ ኲነታት፡ ኣዝዩ ኣሰካፊ ምዃኑ እቶም እሱራት ከኣ ተጨቓጪቖም ተታሒዞን ምህላዎም እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ኣመልኪቱ። ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ዕለት 9 ሕዳር ዝተኣስሩ ኣባላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክሳብ ሕጂ ከም ዘይተፈትሑ ተፈሊጡ። እዞም እሱራት ዝበዝሑ ብመበቆል ተጋሩ እዮም፥ ምስ ሰራዊት ትግራይ ምትእስሳር ኣለኩም ብዝብል እዮም ተገፊፎም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም” ክብል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ’ሎ።

እዞም ማእሰርቲታት ምንም ምስ ብሄር ዘራኽብ የብሎም ተኣሲሮም ዘለዉ ደገፍቲ ሰራዊት ትግራይ እዮም ክብል ፖሊስ ኢትዮጵያ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com