Thursday , April 25 2024
People gather behind a placard showing Prime Minister Abiy Ahmed at a rally organized by local authorities to show support for the Ethiopian National Defense Force (ENDF)(AP Photo) NAI114

ኢትዮጵያ . . . ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ናብ ግንባር ክኸይድ እየ ይብል

ዓመት ዝወሰደ ኲናት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣፍደገ ኣዲስ ኣበባ በጺሕሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ኣብይ ኣሕመድ፡ ንግንባር ንምውራድ ክፋለም ምዃኑ ትማሊ ገሊጹ።

ካብ ጽባሕ ኣትሒዘ ምስ ሓይልታት ምክልኻል ሃገርና ኣብ ግንባር ክህሉ እየ፡ ክብል ትማሊ ሰኑይ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝለኣኾ ፖስት ገሊጹ። ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብሓባር ብምውፋር ስምኩም ኣብ ታሪኽ ክጸሓፍ እትደልዩ ተለዓሉ፥ ኣብ ግንባር የራኽበና ክብል ወሲኹ ጸዊዑ።

ፈጻሚት ካቢነ ሰልፊ ብልጽግና፡ ብሰኑይ ተራኺቡ ኣብ ህሉው ኲነታት እቲ ኲናትን ምዝታዮም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር፡ ንማዕከናት ዜና ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር፡ ፍልይ ዝበለ ስራሕ ንምፍጻም ክዋፈሩ እዮም ኢሉ።

ካብ ወርሒ ሕዳር ናይ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ዝግበር ዘሎ ኲናት፡ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፈርን ከስፋሕፍሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ናብ ኣፍደገ ኣዲስ ኣበባ በጺሑ ምህላዉ ጸብጻባት የመልክቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com