Wednesday , April 24 2024
Ethiopia's long distance runner and marathon world record holder Haile Gebrselassie (AP Photo/Ronald Zak, file)

ኢትዮጵያ … ኣትሌት ሃይለ ገብረስላሰ: ናብ ግንባር ክኸትት እየ ይብል

ኣዝዩ ህቡብ ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ሃይለ ገብረስላሰ ናብ ግንባር ክኸትት እየ ኢሉ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ትማሊ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ግንባር ብምኻድ ነቲ ኲናት ክመርሖ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ እዩ። ብዘይካዚ ንፈሊሳ ለሊሳ ሓዊስካ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዝና ዝረኸቡ ኢትዮጵያውያን ተመሳሳሊ ቃል ይኣትዉ ምህላዎም ተገሊጹ።

ኣብይ ኣሕመድ ናብ ግንባር ክኸይድ ምዃኑ እኳ እንተገለጸ ዛጊት ብስእሊ ዝተደገፈ ሓበሬታ ክርከብ ከም ዘይተኻእለ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፥ እቲ ብፍሉይ ልኡኽ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኦሊሰጒን ኦባሳንጆ እተበገሰ ናይ ሰላም ዘተ ምንም ፍረ ኣይተረኽቦን ኢሉ።

ብዘይካዚ ኣብ ባይታ ዘሎ ኲነታት ነቲ ጽንቃቕ ተስፋ ዘተን ሰላማዊ ፍታሕን ኣብ ሓደጋ ኣእትዩዎ ምህላዉ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ጀፍሪ ፌልትማን ሓቢሩ’ሎ። ሰራዊት ትግራይ ካብ እምባታት ተምቤን ተበጊሱ ናብ ኣፍደገ ኣዲስ ኣበባ በጺሕሉ ኣብ ዘሎ እዋን ብፍላይ ሰብኣዊ ኲነታት ኣዝዩ ተጋዲዱ ምህላዉ ጸብጻባት የመልክቱ።

ኣመሪካ፥ ፈረንሳን ቱርኪን ሓዊስካ ብርክት ዝበላ ሃገራት ዜጋታተን ካብታ ሃገር ክወጹ ኣተሓሳሲበን ምህላወን ዝፍለጥ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com