Friday , April 19 2024
Anders Hofgren/TT

ኢድካ ናብ ካልኦት ዘይምውጥዋጥ!

ኣብዚ ዓለም፣ ወድ ሰብ ጥራይ እዩ ልዕሊ ዝኾነ ካልእ ፍጡር ሰፊሕ ልቦናን ጥበብን ተዓዲሉ። ይኹን’ምበር ኣብ ህይወት ምሉእነት ስለዘየልቦ ኣብ ትግባረ ዉጥናቱ ዕንቅፋታት ከጋጥምዎን ጌጋታት ክፍጽምን ንቡር እዩ።
ዝበዝሕ እዋን ሰባት ንዓወቶም ምስ መንፍዓቶም ከተኣሳስርዎ እንከለዉ፣ ንፍሽለቶም ድማ ናብ ግዳማዉያን ረቛሒታት ወይ’ዉን ካልኦት ሰባት ከጸግዕዎ ይረኣዩ። ጌጋታት ግን ምኽኒት ስለዘናደኻሎም ዘይኮነ ብኣወንታዊ ኣተሓሳስባ ተመሪሕካ ክትገጥሞም ሕልናዊ ቅሩብነት ምስ እተርኢ ጥራይ እዮም መፍትሒ ዝረኽቡ።
ኣበሳኻ ዘይምእማንን ዘይምእራምን ኣካል ባህሪ ወድ ሰብ እዩ። ዋላ ነቲ ባዕልኻ ኣብ ልዕሊ ነብስኻ ዝፈጸምካዮ ጌጋታት ንኻልኦት ምስካም ኣብ ብዙሓት ሰባት ዝረአ ጠባይ እዩ። ዝኾነ ሰብ ቀዳማይ ተሓታቲ ናይቶም ኣብ ህይወቱ ዘጋጥምዎ ነገራት ባዕሉ እዩ። ምኽንያቱ ባዕሉ’ዩ ደራሲ ህይወቱ። ባዕሉ’ዩ ፈጣሪ ክዉንነቱ። ባዕሉ’ዩ መላኺ ሓሳባቱን ተግባራቱን።

ኣብ ጉዕዞ ህይወት ዘጋጥሙኻ ጸገማት፣ ዓወታትን ፍሽለታትን፣ ናይ ኣጋጣሚ ዝፍጠሩ ኣይኮኑን። ወይ ድማ ሓደ ንስኻ ዘየለለኻዮ ሓይሊ ወይ ቄናን ዕድል ዝፈጠሮም ኣይኮኑን። ኣብ ኣእምሮኻ ዘይሓሰብካዮም ፍጻመታት፣ ተጨበጥቲ ፍጻመታት ኮይኖም ኣብ ህይወትካ ኣይንጸባረቑን እዮም። ስለዚ ፈጣሪኦም ባዕልኻ ኢኻ።  

እቲ ዝዓበየ ህያብ ተፈጥሮ ንወድ ሰብ፣ ካብ ደቀቕቲ ክሳብ ኣዝዮም ዝተሓላለኹ ግድላት ህይወት ዝፈትሕ ሓንጎል እዩ። ነዚ ህያብ’ዚ በቲ ዝግባእ ክተስርሖን ክትጥቀመሉን እንተ ዘይክኢልካ ድማ ንባዕሉ ናብ ዕንቅፋት ተቐይሩ መሰናኽላት ህይወት የብዝሓልካ።

እቲ ንዘይከዉን ዝመስል ከም ዝኸዉን ዝገብሮ ሓንጎል እዩ። እቲ ንዘይከኣል ዝመስል ከም ዝከኣል ዝገብር’ዉን ሓንጎል እዩ። ስለዚ ነዚ ዕቑር ክእለታት ዝተኸዘነሉን ማእከል ህላወ ደቂ ሰብ ዝኾነን ክፍሊ ኣካል ኣበራቢርካን ኣማእዚንካን ከም ዝሰርሕ ምግባር ኣብ ህይወት ወሳኒ ተራ ኣለዎ።

ሓንጎል ከም ዘእመንካዮ ስለዝነጥፍ ንዝኣመንካሉ ካብ ምትግባር ድሕር ኣይብልን እዩ። ዕዉት እየ ኢልካ እንተ ኣሚንካ ተኽእሎ ተዓዋትነትካ ይዓቢ። ሸቶይ ክሃርም ቀሪበ ኣለኹ ኢልካ ምስእትኣምን ንኽትበጽሖ ዘሎ ተኽእሎ ዓቢ እዩ።

ጽኑዕ እምነትን ኣብ ክዉንነት ዝተመርኮሰ ተስፋን ኣብ መንጎ ሓሳብን ግብሪን ዉህደት ፈጢሩ ኣብ ሸቶ የብጽሕ። ተስፋን እምነትን ኣብ ጎደና ዓወት ዘመርሹ ረቛሒታት ክኾኑ ከለዉ ዘይምኽኑይ ጥርጣረታትን ተስፋ ምቑራጽን ድማ ካብ መገዲ ዓወት ኣዉጺኦም መስመር ዘስሕቱ ሓይልታት እዮም።

ሰብ ንቕሓት ስለዘለዎ እምበር ነገራዊ ሃብቲ ስለዝዉንን ጥራይ ኣብ ምድብ ሃብታማት ክትሰርዖ ኣይከኣልን። ምኽንያቱ እቲ ዘይጽንቀቕ ንቕሓት እዩ ነቲ ተጸንቃቒ ነገራዊ ሃብቲ ዘምጽእ። ንሓደ ሰብ ጥዑይ ትብሎ፣ ጥዑይ ዘምስሎ ኣቃዉማ ወይ ትርኢት ስለዘለዎ ዘይኮነ ኣእምሮኡ ምስ ጥዕና ዝተቓነየ ምስ ዝኸዉንን ተግባራቱ ድማ ንዕኡ ዝምስክር እንተኾይኑን ጥራይ እዩ።

ነዚ ሓቂ’ዚ ብዝግባእ እንተድኣ ተረዲእካዮ ኣብ ነብስኻ ንዝፍጸሙ ወይ ንዘጋጥሙኻ ነገራት ሓላፍነት ክትወስደሎም ኢኻ። ንዝኾነ ይኹን ወገን ድማ ጠንቂ ፍሽለትካ ጌርካ ኣይክትገልጾን ኢኻ። ኣባኻ ክሰርሕ ዘየፍቀድካሉ ሓይሊ ትርጉም ዘለዎ ጽልዋ ከምጽኣልካ ኣይክእልን እዩ።

ጽልዋ ኣከባቢን ሰባትን ኣብ ሓንጎልካ ቦታ ክሳብ ዘይሃብካዮ ኣብ ህይወትካ ኣይሰርሕን። ኩሉ ሰብ ንህይወቱ ብዝደለዮ መገዲ ናይ ምምራሕን ምቁጽጻርን ዓቕሚ ኣለዎ። እዚ ዓቕሚ ከኣ ዘስርሖ ሰብ ጥራይ እዩ ዝደሊ። ንዘይጥቀመሉ ግን ኣይናቱን እዩ።

ንዝተዋህቦ ባህርያዊ ዓቕሚ ብዘይምጥቃሙ ኣሳልጦ ዘይብሉ ህይወት ዝነብር ሰብ ኢዱ ናብ ካልኦት ከወጣውጥ የብሉን። ፈጣሪ ህይወቱ ባዕሉ ምዃኑ ኣሚኑ ነብሱ ክፍትሽን መፍትሕ ጸገማቱ ካብ ነብሱ ከናዲን እዩ ዘለዎ።

ኣቦኻ፣ ኣዴኻ፣ ኣሕዋትካ፣ ኣሓትካ፣ ሕብረተሰብካ… ኣብቲ ባህ ዘየብል ሸነኽ ናይ ህይወትካ ኢድ ዋላ ይሃልዎም ኣብቲ ባዕልኻ ዝደረስካዮ ድራማ ህይወትካ ዝዋስኡ እምበር ብቐንዱ ንህይወትካ ዝደርሱ ኣይኮኑን። ደረስቲ ህይወትካ ክኾኑ ዋላ እንተ ኣፍቀድካሎም ሕጂ’ዉን ተሓታቲ ንስኻ እምበር ንሳቶም ኣይኮኑን።

ህይወትካ ብሓላፍነትካ’ያ እትመሓደር። ኣብ ዝኾነ ዉሁብ ኩነት፣ ካብ መንጎ ብዙሓት ምርጫታት ዘዋጽኣካ ክትመርጽ ናጽነት ኣለካ። ንሓሳባትካን ተግባራትካን ናይ ምቁጽጻር ሓይሊ’ዉን ኣለካ። ካብ ቁጽጽርካ ወጻኢ ዝኾኑ ረቛሒታት’ዉን ዋላ እንተሃለዉ ምስዞም ረቛሒታት ተሳኒኻ ክትከይድ ዘኽእለካ ክእለት ተዓዲሉካ እዩ። ኣስርሓዮ ጥራይ።

ፍሽለትን ኣላሽ ምባልን፣ ኣብ ነብስኻ መአረምታ ዘድልዮ ሸነኻት ከም ዘሎ ዘመላኽቱ እዮም። ነቲ ጠንቂ ካብ ዉሽጥካ ኣናዲኻ ክትረኽቦ እንተኽኢልካ ነቲ ጸገም ናይ ሓዋሩ መደምደምታ ክትገብረሉ የኽእለካ። ፍሽለት እንተዳኣ ተደጋጊሙ ግን ኣብ መንጎ እትሓስቦን እትገብሮን ዉህደት ጠፊኡ ኣሎ ማለት እዩ። ኣብ መንጎ ሓሳብን ግብሪን ዝተኣጉደ ግርጭት እንተዘይ ኣብቂዑ ድማ ምዕዋት ወይ ዝደለኻዮ ምርካብ ኣይከኣልን።

በሪሁሉ ብኣማን


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com