Friday , March 29 2024

ኢጣልያ… መዝገበ ቓላት፡ ጾታዊ ኣድልዎ ከወግድ ይሕተት።

100 ዝኾኑ ውሩያት ኢጣልያውያን ዜጋታት ናብ ትረቺያኒ መዝገበ ቓላት፡ ኣብ ዝለኣኽዎ መልእኽቲ፡ ሰበይቲ ዝብል ቃል፡ ትርጒሙ ክቕየር ሓቲቶም ኣለዉ።

እቲ ወፍሪ ከምኒ ፑታና (ኣመንዝራ) ዝበሉ ምስ ሰበይቲ ዝብል ቃል ተመሳሳሊ ትርጒም ተባሂሎም ዝኣተዉ ትርጒማት ክእለዩ ጸዊዑ’ሎ። ከምዚ ዓይነት ቃላት ንደቀንስትዮ ናብ ጾታዊ ኣቕሓ ብምቕያር ካብ ሰብኣውነት ዘነኣእሱ እዮም ብምባል ድማ ብትሪ ኰኒኖሞም ኣለዉ።

ካብዞም ነዚ ደብዳበ ዝኸተሙ ህቡባት ሰባት፡ ኣክቲቪስትን ፖለቲከኛን ኢማ ባታልያ፡ ፖለቲከኛ ሎራ ቦልድሪኒን ከምኡውን ምክትል ዳይረክተር ጀነራል ባንክ ኢጣልያ፡ ኣለሳንድራ ፓራዘሊ፡ ይርከበኦም። እዚ ትረቺያኒ ዝተባህለ ናይ ኦንላይን መዝገበ ቓላት ጣልያንኛ፡ ዛጊት ነዚ ቀሪቡ ዘሎ ሕቶ ብዝምልከት፡ መልሲ ኣይሃበን ዘሎ፡ ተባሂሉ።

ኣቐድም ኣቢላ ማርያ ቢያትሪስ ጅዮቫንድሪ፡ ኣብ ዝገበረቶ ወፍሪ Bird ከምኡውን bind ዝበላ ምስ ሰበይቲ ሓደ ዓይነት ትርጒም ከም ዘለወን ኮይነን ኣብ ኦክስፎርስ መዝገበ ቃላት ኣትየን ዝነበራ ቃላት ክእለያ ጐስጒሳ ምንባራ ይዝከር። በዚ ድማ ኣብ ዝቐጸለ ሕታም እቲ መዝገበ ቓላት እዘን ቃላት ክወጻ ከምዝተገብረ ይፍለጥ። ንሳ፡ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ እዞም ኣብ ትሬያንቺ ዘለዉ ንሰበይቲ ዝመሳሰሉ ተባሂሎም ኣትዮም ዘለዉ ቃላት፡ ካብቲ ኣብ ኦክስፎርድ ዘሎ ዝኸፍአ እዩ ክትብል ገሊጻ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ እዞም 30 ዝኾኑ ቃላት ብምሉኣቶም ጾታዊ ትሕዝቶ ዘለዎም ምዃኖም እዩ ኢላ። ብኣንጻሩ ሰብኣይ ዝብል ቃል ምስ ቢዝንስ ዝተሓሓዝ ጌሩ ክትብል ንጾታዊ ኣድልዎ እቲ መዝገበ ቓላት ዘለዋ ነቐፌታ ገሊጻ’ላ።

ቋንቋ ክዉንነት ኣብ ምፍጣር ዘለዎ ሓይሊ ማንም ክኽሕዶ ኣይኽእልን እዩ ዝበለት እታ ኣክቲቪስት ከምዚ ዓይነት ኣቀራርባ፡ ደቀንስትዮ፡ ብኸመይ ክረኣያ ኣለወን ዝውስን እዩ ክትብል ገሊጻ’ላ። እዚ ጌርና ማለት፡ መዓልታዊ ዘጋጥመና ጾታዊ ኣድልዎ ንሓዋሩ ንኣልዮም ኣሎና ማለት ኣይኮነን፡ እንተኾነ ግን፡ ሕብረተሰብ ንደቀንስትዮ ዝገልጸሉ ኣገባብ ንምእራም ዝዓለመ እዩ” ኢላ።

ትሬቺያኒ፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቶም ቃላት ዝኾነ ሞራላዊ ይዂን ፍርዳዊ ሚዛን ከየቐመጠ ከም ዘለዉዎ ናብቲ መዝገበ ቓላት ክኣትዉ ምግባሩ ገሊጹ’ሎ። ኣብ ሓደ ሕብረተሰብን ባህሉን ኣሉታዊ መግለጺታት እንድሕሪ ኣለዉ፡ ኣብ መዝገበ ቓላት ዘይስነዱሉ ምኽንይት እንታይ እዩ ክብል ድማ ወሲኹ ኣብሪሁ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com