Thursday , April 25 2024
Foto: Mikael Andersson / SCANPIX / Kod 10710

ኣሃዱ ጸረ ብልሽውና ሽወደን፡ ኣብ ጒዳይ ኲባንያ ተሌኮም ኤሪክሰን ኣፈናዊ መርመራ ከፊቱ።

ኣብዚ ሰሙን፡ ዓቀብቲ ሕጊ ኣሃዱ ጸረ-ብልሽውና ሽወደን፡ ን ጒዳይ ኲባንያ ተሌኮም ኤሪክሰን ኣመልኪቶም ኣፈናዊ መርመራ ምኽፋቶም ተፈሊጡ።

እዚ መርመራ፡ እቲ ኲባንያ ኣብ ዓመታት 2013-2019 ኣብ ዒራቕ ፈጺምዎ ዝበሃል ጒቦ ክርኢ እዩ። ቅድሚ ምጅማር እዚ ኣፈናዊ መርመራ፡ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኤሪክሰን ቦርየ ኤኾልም፡ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ “ነባሪ ለውጢ ንምርግጋጽ ከምኡ’ውን ስነምግባርን ሕጊን እቲ ኲባንያ ንምምሕያሽ” ብተወፋይነት ክሰርሕ ምዃኑ ኣስሚሩሉ’ሎ። ኣቦመንበር ኣህጒራዊ ተሓታትነት ሽወደን፡ ኡልሪክ ኣሽቩድ፡ ብዛዕባ ኣብ ኲባንያታት ሽወደን ዘሎ ብልሽውናን እዚ ንምስሊ እታ ሃገር ብኸመይ ከም ዝጸልዎን ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኤሪክሰን ኣብ ዝሓለፋ 17 ዓመታት ኣብ ሓሙሽተ ዝተፈላለያ ሃገራት (ማለት ጅቡቲ፡ ቻይና፡ ቬትናም፡ ኢንዶኔዥያን ኩዌይትን) እተረጋገጸ ናይ ብልሽውና ፋይል ከም ዘለዎ ድሕሪ ምጥቃስ፡ እዚ ስርዓታዊ ብልሽውና ከም ዝሎ ዘመልክት እዩ ኢሉ። ብሓፈሻ፡ ኲባንያታት ሽወደን ኣብተን ብግቡእ ዘይዓያ ቀዳሞት 6 ዝርዝራት ምህላወንን እዚ ድማ ዘሻቕል ተርእዮን ምዃኑ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com