Tuesday , April 23 2024
Simone Gbagbo, wife of Laurent Gbagbo (AP Photo/Rebecca Blackwell, File) LBL101

ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ፡ ፍቓድ ምቕያድ፡ ሲሞን ግባግቦ፡ ኣልዒሉ

ኣህጒራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት (ICC) ኣብ ልዕሊ በዓልቲ ቤት ሎረን ግባግቦ፡–ሲሞን ግባግቦ፡ ከውጽኦ ሓሲብዎ ዝነብረ ፍቓድ ምቕያድ፡ ከም ዘልዓሎ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ንሳ፡ ኣካል ናይቲ ኣብ ሃገረ ኣይቮሪ ኮስት ኣብ ዓመታት 2010-11 ዝተኻየደ ናይ ድሕረ ምርጫ ገበናት ኲናት እያ ኔራ ብዝብል እዩ ICC እቲ ናይ ክሲ ብምምስራት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘእቱ ፍቓድ ወረቐት ዘዳሉ ኔሩ።

እንተኾነ ግን፡ እቲ ንክሲ ተባሂሉ ዝቐረበ ጭብጢታት፡ እዂል ኮይኑ ስለዘይተረኽበ፡ እቲ ናይ ቀይዲ ወረቐት ተሰሪዙ ኣሎ” ክብል ICC ገሊጹ’ሎ።

ሎረን ግባግቦ፡ ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ብ ICC ተኸሲሱ እኳ እንተጸንሐ ብዝተኻየደ ፍርዳዊ መስርሕ ኣብ መጋቢት ብናጻ ተለቒቑ ኣብ ወርሒ ሰነ፡ ናብ ሃገሩ ከም እተመልሰ ዝፍለጥ እዩ። ኣብታ ወርሒ፡ ባግቦ ንሲሞን ከም ዝፈትሓ ድማ ጸብጻባት የመልክቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com