Saturday , April 20 2024

ኣህጉራዊ ውድብ ኣቪየሽን፡ ምስክር ወረቐት ክታበት ኮሮና ክሓትት ምዃኑ ኣፍሊጡ

ኣህጉራዊ ውድብ ኣቪየሽን (The International Aviation Organisation)፡ ብመንገዲ ኣየር ንዝጓዓዙ ተሳፈርቲ፡ ካብ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ፡ ምስክር ወረቐት ክታበት ኮሮና ክሓትት ክጅምር ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ኩለን ሃገራት፡ ኤሌክትሮኒካዊ ምስክር ወረቐት ክታበት ኮሮና፡ ከዳልዋ ኣገዳሲ እናኾነ ይመጽእ ምህላዉ እቲ ውድብ ሓቢሩ። በዚ መሰረት ድማ፡ ክገሹ ዝደልዩ ዜጋታት፡ ናይ ክታበት ኩነታቶም ብቐጥታ ናብ ቤት ጽሕፈት’ቲ ውድብ ክመሓላለፍ ክኽእል እዩ።

ኣህጉራዊ ውድብ ኣቪየሽን፡ መስመራት በረራ መንገዲ ኣየር ዝምድብ፡ ናይ መንገዲ ኣየር ቲኬታት ዝግምግምን ናይ መዓርፎ ነፈርትን (ኤርፖርታት) መስመራት መንገዲ ኣየርን ኮዳት ዝህብ ውድብ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com