Saturday , April 20 2024
JONATHAN NACKSTRAND/TT

ኣሌክሳንደር ኢሳቅ ምስ ወርቃዊት ብጫ ቦኽሪ ሽቶኡ ኣቁጺሩ!!

ትማሊ ምሸት ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ን መጻሪዪ ዋንጫ ኤውሮጳ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ማልታ ኣብ ዝገበረቶ ጸወታ ኤርትራዊ ሽወደናዊ ኣሌክሳንደር ኢሳቅ ድሕሪ ዕረፍቲ ተቐይሩ ብምእታው ኣብ መበል 81 ደቒቕ ዘመዝገባ ሸቶ ን ሃገራዊት ጋንትኡ ሳልሰይቲ ን ባዕሉ ድማ ቦኽሪ ሸቶ ኮይና ተመዝጊባትሉ።

ኣዚ ወዲ 19 ዓመት መንእሰይ ኣብዚ እዋን ኣብ ጽቡቕ ቖመና ስለዝርከብ ኮይኑ ሽወደን ዝመጽእ ሶኑይ ምስ ስጳኛ ዝህልዋ ጸወታ ካብ መጀመርያ ክስለፍ ትጽቢት ይግበር ። እዛ ብ ወርቃዊ ብጫ እንዳተባህለት እትጽዋዕ ሃገራዊት ጋንታ ሸወደን ኣብ ምድብ 6 ተመዲባ ብ 2 ነጥቢ ካብ ስጳኛ ርሒቃ ብ 7 ነጥቢ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትርከብ


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com