Thursday , April 18 2024
Pro Shots Photo Agency//TT

ኣሌክሳንደር ኢሳቅ ኣብ የዕይንቲ ባርሳን ቸልሲን ይኣቱ!

እዚ ኤርትራዊ መቦቆል ዘለዎ ሽወደናይዊ ናብ ክለብ ዊልያም 2 ብመልክዕ ልቓሕ ተሰጋጊሩ ኣብዝጻወተሉ ዘሎ እዋን ብዘመዝግቦ ዘሎ ብዝሒ ሸቶታታ ድሮ ዓበይቲ ጋንታታት ከም ባርሰሎናን ቸልሲን ብወከልተን ገይረን ኣብ ምክትታሊ ተጸሚደን ኣለዋ።

ግን እዚ ተጻውታይ ዋንነት ክለብ ዶርትሞንድ ብሙኻኑ ምስዚ ኣብ ክራማት ብዙሓት ተጻውቲ እዛ ጋንታ ብዓበይቲ ጋንታ ኣብዝህደንሉ ዘለው ግዜ ኣለክሳንደር እውን ብቀሊል ዋጋ ከምዘይተፋንዎ ትገልጽ ኣላ።

ክለብ ባርሳ ከም መተካእታ ስዋረዝ ክትሓጽዮ ከላ ክለብ ቸልሲ ውን ቀዋሚ ኣጥቃዒ ስለዘይብላ ኣብ ምክትታሉ ትርከብ።

ኣሌክሳንደር ኢሳቅ ሎሚ ጋንቱኡ ምስ ሓንቲ ካብ ዝዓበያ ጋንታታት ሆላንድ ኣይክስ ኣምስተርዳም ኣብ ዝገበረቶ
ግጥም ሹቶ ኣመዝጊቡ።ኣብ`ዚ ናይ ሎሚ ግጥም ዊለም 2 ወላ በታ ዓባይ ጋንታ ኣይክስ ኣምስተርዳም 4ብ1 ት ሳዓር እምበር እቲ ኣብ ጽቡቅ ቁመና ዘሎ ኣልክሳንደር ኢሳቅ ግን ሎሚውን ተኮነ ኣብ ልዕሊ እታ ዓባይ ጋንታ
ኣይክስ ሹቶ ካብ ምምዝጋብ ኣይተጸገመን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com