Saturday , April 20 2024

ኣልስቫንስካ (allsvenskan)

ብ ኣልስቫንስካ  ዝጽዋዕ ውድድር ኩዑሶ እግሪ ሽወደን፣ 16 ጋንታታት ብምስታፍ ውድድሩ ኣብ ምስልሳል ዝርከብ ኮይኑ። ነዚ ውድድር ብ ሓለቃ ጋንታ ኤርትራዊ ሽወደናው ሄኖግ ጎይቶም ትምርሕ ጋንታ ኣይኮ (AIK) ብ 58 ነጥቢ እብ ምምራሕ ትርከብ። ኣብዚ ውድድር ሓለቃ ጋንታ ሄኖግ ጎይቶም 13 ጎላት ብምብርካት ን ጋንትኡ  ዓቢ ኣስተዋጾ ኣብ ምብርካት ይርከብ። ከምዝፍለጥ ጋንታ ኣይኮ ኣቀዲማ እውን ነዚ ሕጂ ምስ ጀርመናዊት ጋንታ ደርትሞንድ ተሓቒፉ ዝጻወት ዘሎ ኤርትራዊ ሽወደናዊ ኣሌክሳንደር ኢሳቅ ዘፍረየት ጋንታ እያ።

ኣብዚ ውድድር ኣልስቫንስካ ን ሄኖግ ጎይቶም ሓዊስካ  ሰለስተ ኤርትራውያን መበቖል ዘለዎም ተጻወቲ ኣብ ዝተፈላለያ ጋንታ ብምስታፍ ርኡይ ኣስተዋጾ ኣብምግባር ይርከቡ ንሳቶም ድማ ናይ በልጅም ዘግነት ዘለዎ ተስፋልደት ተኪኤ ምስ ጋንታ ኦስተርሽን

ከምኡ ድማ መሓመድ ስዒድ ምስ ጋንታ ሲሩስ እዮም።

ውድድር ኣልስቫንስ ክዛዘም ነፍሲወከፈን ጋንታታት 7 ውድድራት ተሪፍወን ይርከብ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com