Friday , April 19 2024
Alter Photos/TT

ኣልባ ኩንትራቱ ምስ ባርሳ የናውሕ!

ስፓኛዊ ናይ ጸጋም ተኸላኻላይ ክለብ ባርሰሎና  ጆርዲ ኣልባ ኣብ ካምፕኑ ስጋብ 2024 ዘጽንሖ  ሓዱሽ ናይ ሓሙሽተ ዓመታት ኩንትራት ፈርሙኡ ኣንቢሩ።

ኣልባ ኣብዚ ናይ ውድድር ወቅቲ ኣብ ትሕቲ ኣሰልጣኒ ኤርነስቶ ቫሌቬርዴ ኣብ ርእሲ ናይ ምክልካል ስርሑ 14 ግዜ ቀረብን 2 ጎላት ብምምዝጋብ ደሚቑ ይርከብ።

ነዚ እስጳናዊ ናይ ክንፊ ተኸላኻላይ ትደሊ ክለብ ኣብ ኣግኡ መፍረሲ ውዕሉ 500 ሚልዮን ፓውንድ ምኻኑ ክለብ ባርሰሎና ኣፍሊጣ ኣላ።

ከምዝፍለጥ ኣልባ ኣብ 2012 እዩ ካብ ክለብ ቫለንሽያ ካብ ዝሰጋገር ኣብ ኩሉ መድረኻት ኣብ 282 ጸወታታት ብምስላፍ 4 ናይ ላሊጋ፣ 4 ናይ ኮፓ ዴላሬይን 1 ናይ ቻምፒዮን ሊግ ዋናጩ ክልዕል ኪኢሉ እዩ።

ምስ ልዮናል ሜሲ ዝለዎ ምውህሃድ ዝልዓለ ኮይኑ ሲጋብ ሕጂ 20 ኩዓሳሱ ብምቅራብ ዝልዓለ ኣስተዋጽኦ ካብ ዘለዎም ተጻዋታይ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com