Tuesday , April 23 2024
Eduardo Munoz/TT

ኣመሪካዊ ተዋሳኣይ ፊልም ከቪን ስፔሲ ተኸሲሱ።

ኣመሪካዊ ተዋሳኣይ ፊልም ከቪን ስፔሲ ኣብ ባር ማሳቹሰትስ ንሓደ ኮተቴ ጾታዊ ትንኮያ ጌርካ ብዝብል ተኸሲሱ።

ንሱ በቲ ቅድሚ ክልተ ዓመትን መንፈቕን ጌርዎ ዝበሃል ዘሎ ገበን ምኽንያት 7 ጥሪ ናብ ቤትፍርዲ ክቐርብ እዩ።

ስፔሲ ብሰኑይ ኣብ ዝለቐቖ ቪድዮ ነዚ ገበን ከም ዘይወዓሎ ገሉጹ’ሎ። “ንዘይገበርክዎ ዋጋ ክኸፍል ድሉው ኣይኮንኩን” ይብል እብቲ ዝፈነዎ ቪድዮ።

“ዝኾነ እንተተባለ ብዘይ መርትዖ ክትኣምን ግቡእ ኣይኮነን፡ ምንም ሓቂታት ከይሓዝካ ናብ ፍርዲ ምጒያይ ግጒይ እዩ.” ክብል ኣማሪሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com