Friday , April 19 2024

ኣመሪካዊ ደራፋይ ራፕ ሊል ሞሰይ ብክሲ ጾታዊ ዓመጽ ብፖሊስ ይድለ

ሊል ሞሰይ: ብክሲ ጾታዊ ዓመጽ: ናብ ቤትፍርዲ ክቐርብ እኳ እንተተኣዘዘ ከም ዘይቀረበን ብፖሊስ ይህደን ምህላዉን ተገሊጹ።

ፖሊስ ን 19 ዝዕድሜኡ ሊል ሞሰይ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ንምእታው ፍቓድ ቤት ፍርዲ ተዋሂብዎም ኣሎ።

ሓቀኛ ስሙ: ላታን ኤኮልስ: ዝኾነ ሊል: ኣብ ሲያትል እዩ ዝቕመጥ። ብሉበሪ ፋይጎ እትብል ንጽል ደርፉ ኣብ ኣመሪካን ብሪጣንያን ዓስረይቲ ዝበልጸት ደርፊ ከም እተባህለት ይፍለጥ። ንሱ ኣብ 2017 ምስ ፑል ኣፕ ብዝገበሮ ናይ ኦንላይን ሙዚቃ እዩ ዓብዪ ዝና ረኺቡ። ኣብ 2019 ኣብ መጽሄት XXL ናይቲ ዓመት ኮኾብ ደራፋይ ራፕ ተባሂሉ ተሰምዩ:: እታ Certified Hitmaker ዝተሰምየት ካልአይቲ ኣልበሙ እውን ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝርዝር ዝበለጻ ሙዚቃታት ተመዝጊባትሉ እያ።

ንሱን ካልእ ፍራንሲስኮ ፕራተር እተባህለ ሰብን ብጾታዊ ዓመጽ ተኸሲሶም ኣለዉ ተባሂሉ።

ብመሰረት ጸብጻብ ቢቢሲ ክልቲኣቶም መንእሰያት ንሓንቲ ጓለንስተይቲ ብዘይፍቓዳ ጾታዊ ርክብ ክትፍጽም ብምግባር: ኣብ ልዕሊኣ ጾታዊ ዓመጽ ፈጺሞም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com