Thursday , April 25 2024
President Joe Biden speaks during a news conference in the East Room of the White House in Washington (AP Photo/Susan Walsh) WX203

ኣመሪካ፡ ንፑቲን ክትእገድ ከም እተኽእል ኣጠንቂቓ

ሩስያ ንዩክሬይን እንድሕሪ ወሪራ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ሩስያ፡ ቭላደሚር ፑቲን፡ እገዳ ክትገብር ምዃና፡ ጆ ባይደን፡ ኣጠንቂቑ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ሩስያ ናብታ ካብ ዶባታ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ እትርከብ ሃገረ ዩክሬይን እንድሕር ወራር ፈጺማ፡ ኣብ ዓለምና ዝየድሊ ከቢድ ሳዕቤን ክወርድ ከም ዝኽእል፡ ባይደን፡ ኣመልኪቱ’ሎ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ሃገራት ምዕራብ፡ ሩስያ ወራር እንድሕሪ ፈጺማ፡ ከቢድ ዋጋ ከኽፍላ ከም ዝኽእል ኣብ ዝገልጻሉ ዘለዋ እዋን እዩ።

ሩስያ ብወገና ንዩክሬይን ናይ ምውራር ዝኾነ ዓይነት ውጥን ዘይብላ እናሃለወት ኣመሪካን ምዕራባውያን መሻርኽታን ነዚ ወጥሪ ኣብ ምግዳድ ተጸሚደን ኣለዋ ክትብል ከሲሳ’ላ። ኣብዚ ዞባ እቲ እንኮ ስግኣት ጸጥታ Nato ጥራይ እዩ ዝበለ መግለጺ ባይቶ ሩስያ፡ ክረምሊን፡ ብወገን ምብራቕ ኣውሮጳ ተወሰኽቲ ሃገራት እንተላይ ዩክሬይን ኣባል ናይዚ ኪዳን ከም ዘይኮና ሩስያ ውሕሰነት ክወሃባ ኣለዎ ክብል ኣተሓሳሲቡ።

ኣመሪካ ነዚ መግለጺ ውጹእ ተጻብኦ እዩ ክትብል ውዱቕ ጌራቶ’ላ። ሩስያ ኣብ ዶብ ዩክሬይን 100 ሽሕ ዝግመት ሰራዊት ኣጸጊዓ ምህላዋ እዩ ዝግለጽ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com