Tuesday , April 23 2024
Foto: Håkon Mosvold Larsen / NTB scanpix / TT / kod 20520

ኣመሪካ፥ ኤምባሲኣ ካብ ኪዬቭ ናብ ልቪቭ ኣዛዊራቶ።

ኣመሪካ ብግዜያውነት ኤምባሲኣ ካብ ኪዬቭ ናብ ልቪቭ ክዛወር ከም ዝገበረት ገሊጻ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ሰራዊት ሩስያ ኣብ ከባቢ ዶባት ዩክሬይን ዝገብሮ ዘሎ ሰፊሕ ምኽታት ምዃኑ ጸሓፊ ጒዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣመልኪቱ’ሎ።

“ሩስያ እዚ ጒዳይ ብሰላም ክፍታሕ ድሌት እንድሕር ኣለዋ ኮይኑ ዲፕሎማሲ እቲ ዝበለጸ መንገዲ እዩ። እዚ ወጥሪ ዲፕሎማስያዊ ፍታሕ ክረክብ ንጽዕር ኣሎና። ምስ መንግስቲ ሩስያ ዘሎና ዲፕሎማስያዊ ጽምዶ ክንቅጸለሉ ኢና፥ ኲነታት እንድሕሪ ፈቒዱ ኤምባሲና ናብ ኪዬቭ ክንመልሶ እውን ድሉዋት ኢና” ክብል ብሊንከን ገሊጹ’ሎ።

እዚ እናኾነ ላዕለዋይ ዲፕሎማት ሩስያ ሃገሩ እዚ ወጥሪ ክፍታሕ ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪ ኣገዳሲ እዩ ኢላ ከም እትኣምን ኣመልኪቱ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com