Wednesday , April 24 2024

ኣመሪካ… ዝተኸትቡ ሰባት፡ ማስክ ምውዳይ ኣየድልዮምን እዩ ትብል

ምሉእ ክታበት ዝፈጸሙ ሰባት፡ ኣብ ግዳም ማስክ ምውዳይ ኣይከድልዮምን እዩ ክብል ኣሜሪካዊ ማእከል ምቊጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣፍሊጡ።

ኲሉ ዘድሊ ክትባታት ዝወሰዱ ሰባት፡ ንበይኖም ወይ ኣብ ንኡስ ምትእኽኻብ ናይ ክቱባት ሰባት እንክኾኑ፡ ማስኮም ምውጻእ ከም ዝኽእሉ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ ኣብ ውሽጢ ኣዳራሽ ከምኡውን ሰባት ዝእከቡሉ ከባቢታት ግና ማስክ ናይ ምውዳይ መምርሒ ከም ዘገልግል ገሊጹ’ሎ። ዛጊት 95 ሚልዮን ኣመሪካውያን፡ ክትባት ኮቪድ-19 ከም ዝወሰዱ ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ኣሜሪካ፡ ጆ ባይደን፡ ነዚ ብሰሉስ ዝወጸ መምርሒ ምክልኻልን ምቊጽድርን ሕማማት፡ “ዓብዪ ስጒምቲ” ክብል ናእዳኡ ገሊጹ’ሎ። ንሱ ወሲኹ “እንድሕሪ ተኸቲብካ፡ ነቲ ቫይረስ ናይ ምትሕልላፍ ኮነ ካብ ካልኦት ናይ ምቕባል ተኽእሎኻ ኣዝዩ ዝተሓተ እዩ ክብሉ ተመራመርትና ናብ መደምደምታ በጺሖም ኣለዉ። ብሓጺሩ ዝተኸትበ ሰብ ብዙሕ ክገብር ይኽእል እዩ” ኢሉ። ብዘይካ’ዚ ጆ ባይደን፡ ምኽታብ “ሃገራዊ ግቡእ ምፍጻም” ምዃኑ ብምምልካት፡ ዘይተኸትቡ ዜጋታት ነዚ ዕማም ክፍጽሙ ኣዘኻኺሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com