Thursday , March 28 2024
Vahid Salemi, AP, TT

ኣመርካ ንሰውራዊ ሓለዋ ኢራን ግብረሽበራዊ ክትብል ትኸስስ።

ፕረዚደስንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንሰውራዊ ሓለዋ ኢራን ኣህጒራዊ ግብረሽበራዊ ውድብ እዩ ክብል ከሲሱ።

ኣመርካ ንናይ ካልእ ሃገር ወተሃደራዊ መዋቕር ግብረሽበራዊ እዩ ዝብል ምልከታ ክትገብር እዚ ናይ ፈለማ እዩ።

ኢራን ብወገና ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝነቘጠ ወተሃደራዊ ህላወ ኣመሪካ ግበረ ሽበራዊ ክትብል ግብረመልሳ ሂባ ኣላ።

ኣብ መንጐ ጤህራንን ዋሽንግተንን ዝጸንሐ ወጥሪ ምስ ምምጻእ ትራምፕን ምስሓብ ኣመሪካ ካብ ኣህጒራዊ ኪዳን ኑክሌር ኢራን ድሕሪ ምስሓቡ እናተጋደደ ምምጽኡ ይፍለጥ።

ኣመሪካ ንሰውራዊ ሓለዋ ኢራን ግብረሽበራዊ ኢላ ምኽሳሳ ኣብ ልዕሊኡ ተወሳኺ እገዳ ንምግባር ብፍላግ ንንግዳዊ ጽላቱ ንምህሳይ ስጒምቲ ክትወስድ ዘኽእላ እዩ ክብል ቢቢሲ ጸብጺቡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com