Thursday , April 25 2024
Bollywood actor Amitabh Bachchan addresses the media during the trailer launch of upcoming movie "Thugs of Hindostan" in Mumbai, India, Thursday, Sept. 27, 2018. (AP Photo/Rajanish Kakade)

ኣሚታብ ባቻን: ብዕቀባ ፊልም ኣቓልቦ ይስሕብ።

ንዓሰርተታት ዓመታት ተዋሳኣይ ኣሚታብ ባቻን 60 ዝኾና ፊልምታት ውሑስ ኲነታት ኣየር ምዕቃቡ ተገሊጹ። ንሱ ኣብ ምዕራብ ከተማ ሙምባይ ኣብ ዝርከብ ቤቱ ዓቂብዎም ዝነበሩ ፊልምታት ትካል ዕቀባ ፊልም እታ ሃገር ኣረኪቡ’ሎ። ንብዙሕ ዓመታት ድማ ፊልምታት ህንዲ ብውሑስ ኣገብባ ተዓቂቦም ንወለዶታት ንኽሰጋገሩ ብውልቁ ጻዕርታት ክገብር ምጽንሑ ተገሊጹ። ንሱ ኣብ ቦኽሪ ዓመታት ቦሊዉድ ዝፈረዩ ፊልምታት ሰኣን ዕቀባ ምጥፍኦም ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።

78 ዝዕድሜኡ ኣሚታብ በዚ ጻዕርታቱ ሽልማት ን ኣህጒራዊ ፈደሬሽን ስነዳ ፊልም ተሓርዩ ኣሎ ክብል ቢቢሲ ሓቢሩ።

ህንዲ ን ቦሊዉድ ሓዊስካ ዓሰርተ ኢንዱስትሪታት ፊልም ከም ዘለዋን ዓመታዊ ብ 36 ቋንቋታት ዝስርሑ ኣስታት 2000 ፊልምታት ከም እተፍሪን ዝፍለጥ እዩ። እዚ ይዂንምበር ኣብታ ሃገር ክልተ ትካላት ስነዳ ፊልም ጥራይ እየን ዘለዋ።

“ኣዝዩ ሃብታም ያታ ፊልም ዘሎና ክንስና ኣብ ዕቀባ ክንዲ ዝግባእ ንሰርሕ የሎናን” ክብል ኣብ ዕቀባ ፊልምታት ዝነጥፍ ዳንጋፑር ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com