Friday , April 19 2024

ኣማኢት ወተሃደራት ዝጸዓና ወተሃደራውያን ነፈርቲ ሩስያ ብሰንበት ኣብ ቀንዲ መዓርፎ ነፈርቲ ቬነዝዌላ ዓሊበን።

ብመሰረት ኣገልግሎት ዜና ሩስያ ስፑትኒክ እዘን ነፈርቲ “ቴክኒካዊ ወተሃደራዊ ውዕላት ንምምላእ” እየን ተላኢኸን ዘለዋ።

ቨነዝዌላዊ ጋዜጠኛ ሃቬር ማዮርካ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ ካብተን ነፈርቲ 100 ወተሃደራትን 35 ቶን ጽዕነትን ክራገፍ ምርኣዩ ገሊጹ’ሎ።

እዘን ክልተ ሃገራት ወተሃደራዊ ውዕል ድሕሪ ምፍራመን ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ እዩ እዚ ዝፍጸም ዘሎ።

ሩስያ ንነዊሕ እዋን መሻርኽቲ ቨነዝዌላ ኮይና ንሃገራት ደቡብ ኣመሪካ ናይ ቢልዮናት ዶላራት ሓገዝን ናይ ነዳዲ እንዱስትሪን ወተሃደራዊ ሓገዝን ክትህብ ምጽንሓ ይፍለጥ።

ብዘይካዚ ነቲ ብኣመሪካ ዝቐረበ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት Nikolas Maduro እገዳ ክጸዓብ ዝብል ሓሳብ ብዓውታ ምቅዋማ ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com