Thursday , April 25 2024

ኣሜሪካ፡ ሰብ-ኣልቦ ነፋሪታ ብኢራን ከም ዝወደቐት ሓቢራ

ናይ ኣሜሪካ ሰብ-ኣልቦ ነፋሪት ‘ድሮን’ ኣብ ልዕሊ ሆርሙዝ ዝተብሃለ ዓለምለኻዊ ክሊ ኣየር እናበረረት እንከላ፡ ብሚሳኤል ኢራን ከም ዝተሃርመት ሰብ መዚ ኣሜሪካ ኣፍሊጦም።
እስላማዊ ሰውራ ኢራን ነዛ ሰብ-ኣልቦ ነፋሪት ኣሜሪካ፡ ኣብ ደቡባዊ ዞባ ሆርሞዝጋን ኣብ ክሊ ኣየር ኢራን እናበረረት እንከላ ከም ዝሃረም ኣፍሊጡ ኣሎ።


ኣዛዚ እስላማዊ ሰውራ ኢራን ሜጀር ጀነራል ሑሴን ሳላሚ ኣብ ተሌቪዥን እታ ሃገር ቀሪቡ፡ “እዚ ንኣሜሪካ ንጹር መልእኽቲ’ዩ” ኢሉ።
እዚ ነቲ ኣብ ሞንጎ ኣሜሪካን ኢራንን ነጊሱ ዘሎ ወጥሪ መሊሱ ከየብእሶ ስክፍታታት አሎ።
ብሰኑይ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣሜሪካ ፡ ነዚ ‘ተጻባኢ ባህሪ’ ዝበሎ ተግባር ኢራን፡ ግብረ መልሲ ንምሃብ ተወሰኽቲ 1000 ወተሃደራት ናብቲ ዞባ ከም ዝልእኽ ምፍላጡ ዝዝከር’ዩ።
ኣሜሪካ ነተን ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ወሽመጥ ዖማን ዝተቓጸላ ነዳዲ ዝጽዕና መራኽብ፡ ኢራን’ያ ኣቃጺላተን እያ ትብል።

ምንጪ፥ bbc ትግርኛ


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com