Saturday , April 20 2024
Severe winter weather and bottlenecks caused by the spread of the omichronous variant of COVID-19 have led to shortages of goods in different parts of the US – here at Walmart in Anchorage, Alaska. (AP Photo/David Zalubowski) CODZ113

ኣሜሪካ . . . ኣብ ውሽጢ 40 ዓመታት፡ እቲ ዝለዓለ መጠን ዝቕባበ ኣመዝጊባ

ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2021 ዝነበረ ዋጋ ናይ ሃለኽቲ ኣቕሑት ምስቲ ናይ ወርሒ ሕዳር ክዋዳደር ከሎ ብ0.5 ሚእታዊ ከምዝወሰኸ ጨንፈር ዕዮ ኣሜሪካ ኣፍሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

እዚ ድማ፡ ዓመታዊ፡ ናይ 7.0 % ወሰኽ ናይ ዝቕባበ እዩ ዘመላክት።

ኣቐድም ኣቢሉ፡ ዝለዓለ መጠን ዝቕባበ ተመዝጊብሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ ዓመተ 1982 ምንባሩ ይዝከር። ይኹን እምበር እዚ መጠን ናይ ዝቕባበ፡ ካብ ትጽቢት ወጻኢ ከምዘይነበረ እዩ ዝንገር ዘሎ።

ክኢላታት ናይ ቁጠባ ብማእከላይ ገምጋም ከምዝገልጽዎ፡ ምስ ናይ ወርሒ ሕዳር ክነጻጸር ከሎ ዋጋታት ሃለኽቲ፡ ብ0.4% ክውስኹ ከምዝኽእሉን ዓመታዊ ማእከላይ ገምጋም ድማ 7% ክበጽሕ ትጽቢት ከምዝገብሩ ማዕከን ዜና ብሎምበርግ ገሊጹ’ሎ።

ጸዓትን መግቢን ከይሓወሰ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ከምዝተራእየ፡ ናይ ካልኦት ዋጋታት ብ0.6% ንወርሒ ኮምኡ ድማ ብ5.5% ብዓመት ከምዝወሰኸ ተፈሊጡ’ሎ።

እዚ ማለት ምስቲ ቅድም ክብል ተቐሚጡ ዝነበረ ብተኸታታሊይ 5.4% ን 0.5% ግምት ክነጻጸር ዝኽእል ወሰኽ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ወርሒ ሕዳር ዝተረኣየ ዋጋታት ናይ ሃለኽቲ ኣቕሑት ምስ ወርሒ ጥቅምቲ ክነጻጸር ከሎ ብ0.8 ንወርሒ ኮምኡ ድማ ብ6.8 ኣብ ዓመት ወሰኽ ከምዘርኣዩ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com