Thursday , March 28 2024
David Klein/TT

ኣርሰናልን ማንቸስተር ዩናይትድን ዕድል ምስታፍ ናይ ቻምፕዮንን ሊግ ይቕህም!!

ኣርሰናል ኣብ መበል 17 ደርጃ ትርከብ ክለብ ብርንጊቶን ኣልቤን ኣብ ገዛእ ሜዳኣን ኣብ ቅድሚ
ደገፍታን  ዝገብረቶ ጸወታ ነቲ ኣቀዲማ ዝረከብቶ ዕድል ናይ 1 ብ 0 ብዘይምዕቃባ ምስ ቡሉጻት ኣርባዕተ ኮይና ውድድራ ናይ ምዝዛም ተክእሎ ቅሂሙ። ኣርሰናል ተጻዋታያ እዛ ጋንታ ግራንት ዛካ ብዝገብሮ ጌጋ እያ ብናይ 1 ብ 1 ውጺኢት ክትፈላለ ተገዲዳ።  ብቁጽራዊ ሓቂ ኣርሰናል ናይ ራብዓይ ደረጃ ቦታ ከተውሕስ ኣብ ዝመጽእ ግጥም
ቶተንሃም ተሳዒራ ንሳ ልዕሊ 6 ሹቶታት ክተመዝግብ ክትግደድ ። ብካልእ ወገን ክለብ ማንቸስተር ንዝነብራ ተስፋ ምስታ ኣብ መበል 20 ተቐሚጣ ምውርዳ ኣቀዲማ ዘረጋገጸት ክለብ ሆድስፊልድ ታውን ኣብ ዝገበረቶ ግጥም ማዓረ 1ብ1 ብምፍልላያ ምስ ቡሉጻት ኣርባዕተ ኮይናካ ዝነበራ መደብሙሉእ ብሙሉእ ብምብርዓኑ ተጻወቲ እዛ ጋንታ ኣደዳ ነቀፊታ ብምኻን ርእሶም ኣድኒኖም ክወጹ ተገዲዶም። እዘን ጋንታ ንውጺት ቶተንሃም ተዓዚበን ብምእታወን ዝያዳ ሓይለን ንውድድር ተሳተፍነት ቻምፒዮን ሊግ ከምቅሮ ኣብዝተባህለሉ ግዜ ካብ ትጽቢት ወጻኢ ብምጽዋተን ኣደዳ ነቀፌታ ብ ደግፍተን ይወርደን ኣሎ።

ብሹቶታት ሉፍት ቸክ፡ዳቪድ ልዊስን፡ጎንዛለዝ ሄጌን ኣብ ልዕሊ
ዋትፎድ ናይ 3ብ0 ዓቢ ዓወት ምቁር ዓወት ብምምዝጋብ  ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ክትሕዝ ኪኢላ።ቸልሲ ናይ ሳልሳይ
ደረጃ ቦታ ብምውሓስ ተሳታፍነት ቻምፒዮን ሊግ ኣውሒሳ ትርከብ።

ብሹቶታት ሉፍት ቸክ፡ዳቪድ ልዊስን፡ጎንዛለዝ ሄጌን ኣብ ልዕሊ
ዋትፎድ ናይ 3ብ0 ዓቢ ዓወት ምቁር ዓወት ብምምዝጋብ  ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ክትሕዝ ኪኢላ።ቸልሲ ናይ ሳልሳይ
ደረጃ ቦታ ብምውሓስ ተሳታፍነት ቻምፒዮን ሊግ ኣውሒሳ ትርከብ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com