Thursday , March 28 2024

ጉዕዞ ኣርሰናል ናብ ዓወት ዶ ወይስ ንቑልቁል ?

ሎሚ ቀዳም ኣብ ሰሜን ሎንደን ተዶኪነን ናይ ደርቢ  ጸወታ  ዝጽበየን ዓበይቲ ጋንታታት ኣርሰናልን ቸልሲን ኣብ ሜዳ ኢማራት ዝገብርኦ ጸወታ ብዙሕ ኣቃላቦ ካብ ዝረኸበ ጸወታ ኮይኑ ኣሎ። ንቡዙሓት ሕንቅልሕንቅሊተይ ኮይኑሉ ዘሎ ብቕዓት ኣርሰናል ኮይኑ ቡዙሓት ካብ ዝሰማምዕሉ ጸገም እዛ ጋንታ ኣሰልጣኒ ዘይኮነስ እቶም ብስዕረታ ወላሓንቲ ዘይስምዖም ተጻወቲ እዛ ጋንት ሙዃኖም ገማቲ ቢቢሲ ላውሮ ብምግላጽ ውጺኢት ናይ እዚ ግጥም ድማ 1 ብ 1 ክብል ግምቱ ሂቡ ኣሎ።

ተደራራቢ ስዕረታ እዛ ጋንታ ምስ ዘይዓጦም ተጻወቲ ኣብ 15 ደርጃ ከም ትቅመጥ ትርከብ ኣርሰናል ኣብዚ ጽባሕ ተካይዶ ግጥም ምስ ቸልሲ ቶማስ ፓርተይ ካብቶም ዘይህልዋት ኮይኑ ኣቡሞያንግ ድማ ኣብ ኣጠራጣሪ ይርከብ። ብወገን ቸልሲ ድማ ሓኪም ዘይቺ ሓዊስካ ሪስ ጀምስን በንችል ወል ዝቦኽሩ እዮም። እሞ ኣርሰናል ናበይ ገጻ እያ እዚ ግጥም ክምልሶ እዩ።

ካልእ ናይ ሎሚ ተጠማቲ ግጥም ድማ ኣብ ዝሓሸ ኣቓውማ ዝርከባ ለስተርሲቲን ማንቸስተር ዩናይትድ ኮይነን ገማቲ ቢቢሲ ላውሮ እዚ ግጥም ብዓወት ማንቸስተር ዩናይትድ 2 ብ 0 ክዋድእ ግምቱ ሂቡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com