Friday , April 19 2024
nicholas-doherty-pONBhDyOFoM-unsplash.jpg

ኣርባዕተ ሃገራት ኣብ ንፋስ ወፍሪ ይገብራ።

ዴንማርክ፡ ጀርመን፡ ኔዘርላንድን በልጄምን ክሳብ 2050 ጸዓት ንፋስ ገማግም ባሕሪ ብውሕዱ ናብ 150 ጊጋዋትስ ንምውሳኽ ድድሌት ከም ምዘለወን ተገሊጹ። እዚ መጠን ጸዓት ብገንዘብ እንክትመን 1.4 ትሪልዮን ክሮና ኖርወይ እዩ። ትማል ረቡዕ ወከልቲ ኣርባዕቲአን ሃገራት ኣብ ኤስብየርግ ዴንማርክ ስምምዕ ንምኽታም ክጋብኡ ኣዮም። ፕረሲደንት ኮሚሽን ኣውሮጳዊ ሕብረት (EU) ኡርሱላ ቮንደር ልየን እውን ኣብዚ ኣኼባ ክርከብ እዩ ተባሂሉ’ሎ። “ኣብ ባሕሪ ሰሜን ዘሎ ኣዝመራ ጸዓት ንፋስ ክንእከብ እንተዄንና ብሓባር ክንዝቲ ከድልየና እዩ። ባሕሪ ሰሜን ብዙሕ ጸዓት ክሕፈሶ ይኽእል እዩ፡ አዚ ድማዩ እዚ ናይ ቀረባ ናይ ምትሕብባር ተበግሶ ዝውሰድ ዘሎ” ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር ዴንማርክ ማት ፍረደሪክሰን ን ጋዜጣ ጃይላንድስ ፖስተን ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com