Saturday , April 20 2024
TT NYHETSBYRÅN

ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ኣብ ኣሰላልፋ ምስ ከቢድ ነቀፌታ ሎሚ ምስ ፖርትጋል ግጥም ይጽበዮ

ኣብ ናይ ኤውሮፓ ናሽናል ሊግ ምስ ሃገራውያን ጋንታታት ፈረንሳ፣ ፖርትጋልን ክሮሽያን ተመዲባ ትርከብ ሽወደን፣ ብቀዳም ምሸት ንሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳ ኣብ ሜድኣ  ዓዲማ ኣብ ዝገብረቶ ጸወታ 1 ብ 0 ኣብ ዝተሳዕረትሉ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት እዛ ጋንታ ካብ ብዙሓት ኪኢላታት እዚ ዓውዲ ከቢድ ነቀፈታ ወሪድዎ።

ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ያነ ኣንደርሶን ብስም ን ንኣሽቱን ውልዶታት ተጻወቲ ዕድል ክህብ ብምባል ን ኣለክሳንደር ኢሳቅ ዝርከብዎ ብርክት ዝበሉ ተጻወቲ ብምእላይ ዝመረጾም ተጻወቲ ግን ካብ ዝላታን ዝረከቦም ብዙሕ ነቀፈታ ወሪድዎ። ንሱ ድማ ኣብ ግጥም ኣንጻር ሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳ ነታ ሓደ ካብ ወርቃዊያን ወለዶ ተጻወቲ መንእሰያት ኤውሮፓ ዝተሰምየን ምስ ክለብ ጁቨንቱስ ትኣክል ጋንታ ተሓቒፉ ዘሎ ሃገረ መቆደንያ መበቆል ዘለዎ ደጃን ኩሉሰቪስኪ ኣብ ወንበር ተቀየርቲ ኮፍ ን ድሕሪ ዕረፍቲ ብምእታው ን 20 ደቂቅ ጥራይ ዕደል ብምሃቡ እዩ።

ዛላታን ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ዘልዋ ጸገም ኣፈላላይ ከምዘይ ፈተሓቶን ኣስለጣኒ ያነ ኣንደርሶን ዝወሰዶ ሕራያ ተጻወቲ ማለት መቦቖል ካልእ ሃገር ዘለዎም ተጻወቲ ናይ ምጉናይ ሕጂ እውን ከምዘይ ገደፎን በዚ መንገዲ እዛ ጋንታ ክትዕወት ከምዘይ ኮነትን ን በላሕቲ ተጻወቲ ኣብ ወንበር ተቀየርት ኮፍ ኣብልካ ን ዕድሜ ዝበልዑ ዝበለም ምስላፍ ጌጋ ክብል ተሪር ነቀፈታ ን ኣሰልጣኒ ያነ ኣንደርሶን ኣውርዲሉ።

ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳ ዲደር ደሻም ብወገኑ ን በላሕቲ ተጻወቲን ተስፋ ዘለዎም ኣባል ዝዓበየት ክለብ ጁቨንቱስ ዝኾነ ደጃን ኩሉሰቪስኪ ኮፍ ኣቢልካ ብኻልኦት ምጅማር ንዓይ እውን ከይ ገረመኒ ኣይተረፈን ክብል ርእይቱ ሂቡ።

ከምዚ ኢሉ ከሎ ሎሚ ምሸት ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ምስ ብ ክርስትያኖ ሮላንዶ ትምራሕ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ፖርትጋል ካብ 20:45 ጸወታ ዘለዋ ኮይኑ እንታይ ኣሰላልፋ ሒዚ ይመጽእ ኮን ይኸውን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com