Thursday , March 28 2024
Foto: Jon Super/AP/TT

ኣሰልጣኒ ሞሪኖ ካብ ስርሒ ተሰናቢቱ!


ናይ ኣሰልጣንነት ግዚኡን ስሙ ምስ ፖርትጋላዊት ክለብ ፖርቶ ዝተወልዔ እሞ ድሒሩ ኣብ ዓይኒ ዓበይቲ ክለባት ብምእታው ስጋብ እቲ ፍሉይ ማለት ዘ ስፐሻል ዝብል ሳጛ በቲ ሓደ ወገን በቲ ኻልእ ብዝኽተሎ ቅዲ ጸወታ ኣደዳ መንቀፍቲ ማለት ሞሪኖ ቀታሊ ኩዑሶ ክብል ብ ኣሰልጣኒ ራነሪ ዝተዘለፎን ንኣቃርቲ ኩዑሶ እግሪ ኣብ ስነ ሞጎት ዘእተወ ሞሪኖ ኣደዳ ምስጛግ ኮይኑ።

ድሕሪ ዕውት ናይ ምስልጣን ግዜያት ምስ ዓበይቲ ክለባት ዓለምና ዝኾነ ኢንተርሚላን ሪያል ማድሪድ ከምኡውን ምስ ቸልሲ ምሕላፍ ሰሙ ዘጸውዔ ሞሪኖ እንሆ ኣገዳስነቱ ብምጉዳል መጀመርያ ብ ክለብ ማድሪድ ስዒቡ ብ ክለብ ቸልሲ ሕጂ ድማ ብ ክለብ ማንዩናትድ ካብ መዝነቱ ብምእላይ ኣሰር ካልኦት ኣሰልጣኒ ብምስዓብ ስራሕ ኣልቦ ገራቶ።

በዚ መሰረት ኣሰልጣኒ መሪኖ ምስ ክለብ ማንቸስተር ዩናትድ ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመት ፈረቃን ጻንሒቱ ትሑት ውጺኢት ብምምዝጋብን ምስ ተጻወቲ ዘለዎ ዘይምስናይ እያ ነዚ ስጉምቲ ወሲዳ።

ንቦታ ሞሪኖ ክትኽኡ ተሓጽዮም ዘልዉ እሰልጠንቲ ፈረንሳዊ ዘይነዲን ዘይዳን ኢጣልያዊ ኣንቶንዮ ኮንተን ኣብዚ እዋን ምስ ክለብ ተቶንሃም ጹቡቅ ናይ ጸወታ ግዜ ዘሕልፍ ዘሎ ኣርጀንቲናዊ ፓቺቲኖን እዮም።

ማንቸስተር ከም ኻሕሳ ንዘባረረቶ ሞሪኖ 18 ሚልዮን ፖውንድ ክትከፍሎ ክትግደደድ እያ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com