Friday , April 26 2024
Craig Mercer/TT

ኣሰንሶ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ሃዛርድ ይኣቱ

ክለብ ሪያል ማድሪድ ድሕሪ ን ክርስትያኖ ሮናልዶ ድርቀት ሸቶ ገጢሙዋ ብንኣሽቱ ክለባት ኢስጳኞለ ተበሊጻ ካብ ቀንዲ መቓናቕንታ ክለብ ባርሶሎና ብ 7 ነጥቢ ተፈንቲታ  ኣብ 6 ደርጃ ትርከብ።

pressinphoto/TT

ካብዚ ኣትያቶ ዘላ ዓዘቅቲ ንምግልጋል ዘይተኣደነ ገንዘብ ብምስላዕ ኣብ ሃድን ስሙያት ተጻወቲ ትርከብ።  ን ኣብ ወርሒ ጥሪ ዝኽፈት መስኮቲ ምስግጋር ተጻወቲ ቀንዲ ኣተኩርኣ ናብ ተጻወቲ ራሒም ስተርሊን ካብ ማን ስቲ ኤደን ሃዛርድ ካብ ክለብ ቸልሲ ብምግባር ምንቅስቃስ ጀሚራ። እንተኾነ ክለብ ቸልሲ ብርክት ዝበለ ሰሙናዊ ምሃያ ን ተጻዋታይ እዛ ክለብ ሃዛርድ ብምቅራብ ብዝኾነ መጠን ገንዘብ ከምዘይትሰዶ ኣብትገልጸሉ ዘላ ማድሪድ ኣብ ዋጋ ሃዛርድ ከምተወሳኺ ን ትስፉው መንእሰት ኣጥቓዓይ ኣሰንሶ ብምእታይ ማዕጾ ክለብ ቸልሲ ኣብምኹሕኻሕ ትርከብ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com