Saturday , April 20 2024

ኣሳንጅ ዳግማይ ተኸሲሱ።

ሓደ ሰሙን ይገብር ኣኽበርቲ ሕጊ ሽወደን ኣብ ልዕሊ ኣሳንጅ ብ 2010 ተኸፊቱ ዝነበረ ክሲ ጾታዊ ዓመጽ ዳግማይ ምብርባር ምጅማሮም ገሊጾም ኔሮም።

ሕጂ ኣብዚ ጒዳይ ሓድሽ ምዕባለ ተኸሲቱ’ሎ።

ብሰኑይ ንግሆ ቤት-ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ ኣሳንጅ ኣብ ዘይብሉ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክኣቱ ውሳኔ ኣመሓላሊፉ ኣሎ።

ናብ ቤት-ፍርዲ ኣውራጃ ኣፕሳላ ኣብ ዝተላእከ ጻውዒት “እዚ ሰብ በዚ ድዩ በቲ ካብ ተሓታትነትን ፍርዲን ከምልጥ የብሉን” ዝብል ምኽንያት ቀሪቡ’ሎ።

ምክትል ዋና ኣኽባሪ ሕጊ Eva-Marie Persson “ኣሳንጅ ብጠርጠራ ጾታዊ ዓመጽ ተኸሲሱ’ሎ፥ ኣድላዪ እንተኾይኑ ፍቓድ መርመራ ኣውሮጳዊ ሕብረት ብምውጻእ ናብ ሽወደን ከም ዝስትለም ክገብር እየ” ኢላ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com